ትምህርት፡ ኣብ እዋን መጽናዕቱ ዘዳለዎም ሓጸርቲ መዘኻኸሪ ጽሑፋት ብምሻጥ ዝሃብተመ መንእሰይ

ዩጌን ቺዎ

ምንጪ ስእሊ, Eugene Cheow

Published

ዩጌን ቺዎ ይበሃል፤ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ እዩ። "ነዚ ዕውት ስራሕ ዝጀመርኩ፤ ንመጽናዕቲ ክሕግዙኒ ብዝብል ዘዳልዎም ሓጸርቲ መዘኻኸሪ ነጥቢታት ዝሓዙ ወረቓቕቲ ብምሻጥ'ዩ" ይብል።

ኣብ ሲንጋፑር ካብ ዝርከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሓዲኡ ዝመሃር ዩጌን ቢዝነስ'ዩ ዘጽንዕ።

"እንተደልየ ንሓደ ዓመት ዝተምሃርክዎ ብሓጺር መዘኻኽሪ ነጥብታት ኣብ ወረቐት ከዳልዎ ይኽእል እየ" ክብል ይገልጽ።

እቲ መዘኻኸሪ ነጥብታት ዝሓዘ ወረቐት፡ ልክዕ ከምቲ ብዙሕ ተምሃራይ ዝገብሮ ንሱ'ውን ትምህርቱ ኣብ ዘጽንዓሉ እዋን ነቶም ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ከም መዘኻኸሪ እናጸሓፈ ዝሕዘሉ መገዲ እዩ።

ኣብ ሲንጋፑር ብዝተፈላለዩ ትካላት ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ተሰሪሖም፡ ንመሸጣ ዝተዳለዉ ገዛውቲ፡ ናይ ምሽያጥ ስራሕ ክትረክብ እንተኾይንካ ናብ ዩኒቨርሲቲ ብምእታው ክትምረቕ ግድን ከምዝኾነ ይግለጽ።

ብድሕሪኡ'ውን ተኸታተልቲ ፈተናታት ክትሓልፍ ትጽቢት ይግበር።

ዩጌን ቺዎ ነዚ ብዓወት ዝሰገረ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ናብዚ ዓወት ንምብጻሕ ትምህርቱ ኣብ ዘጽንዓሉ እዋን ኣብ ወረቓቕቲ ዘዳልዎም ዝነበሩ ሓጸርቲ መዘኻኸሪ ነጥብታት ብኦንላይን ናብ መሸጣ ኣቕሪቡ'ሎ።

ብርግጽ ንሱ ነዚ ዝገበረ ፈላሚ ሰብ ኣይኮነን። ንሱ ዘዳለዎምን ዝተጠቐመሎምን መዘኻኸሪ ነጥብታት ዝሓዙ ወረቓቕቲ ዝተጠቐሙ ተምሃሮ ግን ዕውታት ኮይኖም'ዮም።

ክሳብ ሎሚ 1,500 ወረቓቕቲ ሸይጡ'ሎ። ሰሙናዊ ድማ ኣስታት 1 ሽሕ ዶላር ኣታዊ ይረክብ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ነዚ ከም ናይ ንግዲ ስራሕ ሓሲብዎ'ሎ።

"ነቲ ፈተና ክትሓልፍ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ሲንጋፑር ኩሎም መምርሕታት ጥብቂ እዮም" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዓማዊሉ ኣብ ሓደ ክፍሊት ክሳብ 16 ንመጽናዕቲ ትምህርቶም ዝሕግዙ ወረቓቕቲ ብሞባይል ስልኮም ወይ ኮምፒተሮም ካብ ዩጌን ይበጽሖም።

እቶም ንሱ ንመጽናዕቲ ዘዳለዎም ወረቓቕቲ (ካርድታት)፡ 'ማይንድ ማፒንግ' ብዝበሃል ናይ ምዝካር ጥበብ ዝተቓነዩ እዮም። ዝተሓላለኹ ሓሳባት ብቐሊሉ ብመልክዕ ግራፍን ምስልን ንምዝካር ድማ ይሕግዙ።

ቀንዲ ወይ ወሰንቲ ንዝበሃሉ ቃላት ጥራይ ብምሓዝ'ውን ሓደ ምሉእ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ንክጸንሕ ይገብሩ።