መራሒ ተቓውሞ ታንዛንያ ጎስጓስ ካብ ምክያድ ተኣጊዱ

Published

ሃገራዊ ኮምሽን ምርጫ ታንዛንያ፡ ቀንዲ መራሒ ተቓዋምን ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫን፡ ቱንዱ ሊሱ፡ ንሓደ ሰሙን ጎስጓስ ካብ ምክያድ ኣጊድዎ።

እቲ ምርጫ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ዝካየድ ብምዃኑ እቲ ውሳነ ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።

ካብቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ፡ ሲሲኤም ከምኡውን ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ ኤንኣርኤ ድሕሪ ዝቐረበ ጥርዓናት፡ ኮሚተ ስነ-ምግባር ነቲ ውሳነ ከም ዘሕለፎ፡ እቲ ሃገራዊ ኮምሽን ምርጫ ኣፍሊጡ።

እተን ሰልፍታት: ቱንዱ ሊሱ፡ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ብሕቡእ ምስ ኣካየድቲ ከባቢታት ምርጫ ተራኺቡ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ዝጸልውሉ መገድታት ከም ዝዘተየ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሑ ክብላ ከሲሰንኦ።

ብዘይካ'ዚ ሚኒስተር ሊሱ፡ ህዝቢ ንዝኾነ ምጭብርባር ናይ ድምጺ ከይቕበልን፡ ኣብ ጎደናታት ወጽዩ ክቃወምን ምጽውዑ ይክሰስ።

ሊሱ ግና ነቲ ክስታት ይነጽጎ። ነቲ ተነቢሩሉ ዘሎ እገዳ ጎስጓስ'ውን ናይ ምቅዋም መሰል ከም ዘለዎ ይግለጽ።