ሃይሌ ገብረስላሴ፡ 'ኣብ ሲድኒ ዝተዓወተ እግሪ ናይ ኣምላኽ እዩ ነይሩ'

Published

ሃይሌ ገብረስላሴ ናይ ዝኾነ እዋን ብሉጽ ጎያዪ እዩ። እቲ ጅግና ኢትዮጵያዊ፡ ካብ ናይ ትራክ ክሳብ ጽርግያ ውድድራት፡ ክብረ-ወሰናት እናሰበረ ዓወታት ሓፊሱ እዩ። ሃይሌ ካብ ዝተሳተፎም ውድድራት፡ 2 ናይ ኦሎምፒክ ወርቂ መዳልያ፡ 4 ናይ ዓለም ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ከምኡውን 4 ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድራት ስዒሩ፤ 27 ክብረ-ወሰናት ሰይሩ።

ኣብ መበል 20 ዓመት እቲ ሃይሌ ኣብ ኦሎምፒክ ሲድኒ፡ ናይ 10,000ሜ ሻምፕዮና ዝኾነሉ ጽምብል፤ ነተን ብሉጻት ሓሙሽተ ዓወታቱ ነጊሩና ኣሎ።