ሃይሌ ገብረስላሴ፡ 'ኣብ ሲድኒ ዝተዓወተ እግሪ ናይ ኣምላኽ እዩ ነይሩ'

መግለጺ ቪድዮ, ሃይሌ ገብረስላሴ፡ 'እግሪ ናይ ኣምላኽ እዩ ነይሩ'
Published

ሃይሌ ገብረስላሴ ናይ ዝኾነ እዋን ብሉጽ ጎያዪ እዩ። እቲ ጅግና ኢትዮጵያዊ፡ ካብ ናይ ትራክ ክሳብ ጽርግያ ውድድራት፡ ክብረ-ወሰናት እናሰበረ ዓወታት ሓፊሱ እዩ። ሃይሌ ካብ ዝተሳተፎም ውድድራት፡ 2 ናይ ኦሎምፒክ ወርቂ መዳልያ፡ 4 ናይ ዓለም ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ከምኡውን 4 ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድራት ስዒሩ፤ 27 ክብረ-ወሰናት ሰይሩ።

ኣብ መበል 20 ዓመት እቲ ሃይሌ ኣብ ኦሎምፒክ ሲድኒ፡ ናይ 10,000ሜ ሻምፕዮና ዝኾነሉ ጽምብል፤ ነተን ብሉጻት ሓሙሽተ ዓወታቱ ነጊሩና ኣሎ።