እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውድብ ጥዕና ዓለም: 'ክታበት እንተተረኽበ'ውን ክልተ ሚልዮን ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ'ዮም'
ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ መላእ ዓለም ክሳብ ዝባጻሕ፡ ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት፡ ክልተ ሚልዮን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።
ኣብቲ ትካል ሓላፊ ህጹጽ ሓደጋታት፡ ዶክተር ማይክ ራያን፡ ዝጭበጥ ኣህጉራዊ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ ቁጽሪ ምውታት ክልዕል ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
እቲ ሕማም ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ቻይና ድሕሪ ምቕልቃሉ፡ ዛጊት ህይወት ከባቢ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣጥፊኡ ኣሎ።
ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ጌና ይውስኽ ከምዘሎን፡ ኣብ መላእ ዓለም ድማ ኣስታት 32 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰሜናዊ ንፍቀ ኽቢ፡ ብዝሒ መልከፍቲ፡ ምስ ምእታው ሓጋይ፡ ደጊሙ ሃንደበት ክውስኽ ይርአ ኣሎ።
ዛጊት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ህንድን ብራዚልን ብድምር 15 ሚልዮን መልከፍቲ ብምምዝጋብ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት እየን።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ግና፡ ኣብ መላእ ኣውሮጳ፡ ዳግማይ ሃንደበታዊ ወሰኽ ብዝሒ መልከፍቲ ክርአ እንከሎ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ዕጽዋ ክህሉ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ዶክተር ራያን ነቲ ናይ ኣውሮጳ ኩነታት ኣመልኪቱ ከብርህ ከሎ፡ "ዘሻቕል ወሰኽ" ከም ዝተርኣየ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣውሮጳውያን ንኣገዳስነት ዕጽዋ ንምውጋድን ከም መርመራ፡ ምውሻብን ማሕበራዊ ርሕቐትን ዝኣመሰሉ ኣማራጺታት ዝምልከት እኹል ስራሓት ሰሪሖም እንተኾይኖም ንርእሶም ክሓቱ ኣዘኻኺሩ።