ሕብረት ኤውሮጳ፡ እገዳ መሸጣ ብረት ሊብያ ጥሒሰን ኣብ ዝበለን እገዳ ኣንቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተነበረ እገዳ መሸጣን ዕድግን ወተሃገራዊ ብረት ጥሒሰን ኣብ ልዕሊ ዝበለን ሰለስተ ትካላት እገዳ ኣንቢሩ።
ኣብ ብራስለስ ዝተኣከቡ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እቲ እገዳ ናይተን ትካላት ናይ ባንኪ ሒሳብ ክድስክል ዝብል ከም ዝርከቦ’ውን ተገሊጹ።
ክልተ ውልቀ ሰባት’ውን ኣብ ሊብያ ግህስት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ብምባል ኣብቲ ዝርዝር እገዳ ሰፊሮም ኣለዉ።
እቲ ብሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጽአ መግለጺ፡ "እዚ ሓጅሽ ዝርዝር ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ፖሎቲካዊ ኩነታትን ብምክትታል ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን ሕጂ ዘሎን ገበናትን ግህሰትን ደው ንከብል ተባሂሉ ዝተገበረ’ዩ" ይብል።
እተን ኣውሮጳዊ ሕብረት እገዳ ኣንቢሩለን ዘሎ ትካላት ካብ ቱርኪ፣ ካዛኪስታንን ዮርዳኖስን ከም ዝኾና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሃገራት ሩስያ ቱርክን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተነበረ ናይ ኣጽዋር እገዳ ይጥሕሰኦ ኣለዋ ኢሉ ምኽሳሱ ዝዝከር እዩ።
ብኔቶ ዝድገፉ ሓይልታት ነቲ ንሊብያ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሓ ኮነሬል ሙዓመር ገዳፊ ኣብ 2011 ካብ ስልጣን ምስ ኣለይዎ እታ ሃገር ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኵናት ሓድሕድን እያ ተሸሚማ ዘላ።
ነቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ቅልውላው ናይ ደገ ሓይልታት ስለ ዝተወሰኸኦ ድማ እቲ ኩነታት እናሓደረ ክሽሕክር እዩ ዝርአ ዘሎ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ብጀነራል ካሊፋ ሓፍታር ዝምራሕ ሰራዊት ክትድግፍ እንከላ ቱርኪ ብወገና ነቲ ኣብ ትሩቡሊ ዓሩዱ ዘሎ መንግስቲ ሊብያ እያ ትድግፍ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

