ኮሮናቫይረስ፡ ኣካላዊ ምፍንታት ገይራ ዝተጻወተት ጀርመናዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ 37 ብ 0 ተሳዒራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጀርመናዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሸውዓተ ተጻወትቲ ጥራይ ኣሰሊፋ ምሉእ ጸወታ ኣካላዊ ምርሕሓቅ እናኣካየደት ስለዝወደአቶ 37 ብ 0 ከምዝተስዓረት ተገሊጹ።
እታ ሪፐዶርፍ ዝተብሃለት ጋንታ፡ ኣባላት እታ መጋጥምታ ዝኾነት ጋንታ ኤስቪ ሆልደንሰተድ 2፡ ኣብ ዝሓለፈ ግጥሞም ምስ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ተራኺቦም ስለዝነበሩ ድሕነት ተጻወትታ ንምሕላው ኢላ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ገይራ ነቲ ጸወታ ከምዘካየደቶ ገሊጻ።
ኩሎም ኣባላት ጋንታ ኤስቪ ሆልደንሰተድ 2 ተመርሚሮም ኮሮናቫይረስ እኳ እንተዘይተረኸቦም ጋንታ ሪፐዶርፍ ግን እቲ ጸወታ ንተጻወትታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ ዝብል እምነት እዩ ነይርዋ።
ጋንታ ሪፐዶርፍ ኣብቲ ጸወታ እንተዘይተሳቲፋ 200 ዩሮ ክትቅጻዕ ከምእትኽእል ስለዝተነገራ ድማ’ያ ነቲ ጸወታ ከተካይዶ ተገዲዳ።
እታ ኣብ መበል 11 ዲቪዥን ጋንታታት ጀርመን ትጻወት ጋንታ ሪፐዶርፍ እቲ ጸወታ ናብ ካልእ መዓልቲ ክሰጋገር እኳ ሕቶ እንተቕረበት ፈደረሽን እቲ ግጥማት ግን ንሕቶኣ ክቕበሎ ኣይክኣለን።
ጋንታ ሪፐዶርፍ፡ ተጻወትቲ ጋንታ ኤስቪ ሆልደንሰተድ 2 ተመርሚሮምኳ ነጻ እንተተባሃሉ፡ ምስቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ካብ ዝራኸቡ 14 መዓልታት ስለዘይመለኦም ስክፍታኣ ገሊጻ።
ጋንታ ኤስቪ ሆልደንሰተድ 2 ነቶም ኣብቲ ኣቅዲሞም ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ብምሉኦም ተጻወትቲ ናብ ሜዳ ከየውረደት ብተቐየርቲ እያ ክተወዳደር መሪጻ።
ተጻወትቲ ክልቲአን ጋንታትተ ርሕቐቶም ሓልዮም ናብ ሜዳ ኣትዮም፡ ተጻወትቲ ጋንታ ሪፐዶርፍ ንጸወታ ጀሚሮሞ፡ ነታ ኩዕሶ ናብ መጋጥምቶም ኣቐቢሎም ካብ ሜዳ ወጺኦም፡ መጋጥምቶም ሸቶ ኣመዝጊቦም።
ሸቶ ስለዝተመዝገበት ሕጂ’ውን ተጻትቲ ጋንታ ሪፐዶርፍ ጸወታ ካብ ማእከል ሜዳ ጀሚሮም ኩዕሶ ናብ መጋጥምቶም ኣቐቢሎም ካብ ሜዳ ወጺኦም ሸቶ ተመዝጊብዎም፡ ከምዚ ኣናበለ 90 ደቃይቕ ተወዲኡ።
ጋንታ ኤስቪ ሆልደንሰተድ 2 ኣብ 90 ደቃይቕ 37 ሸቶታት ከመዝግቡ ክኢሎም።
ኣቦ መንበር ጋንታ ሪፐዶርፍ ፓትሪክ ሪስቶው ን ኢኤስፒኤን ኣብ ዝሃቦ ቃል “ተጻወትቲ ጋንታ ኤስቪ ሆልደንሰተድ 2 ኣይተረደኦምን እምበር ንሕና ዝኾነ ሓደጋ ስለዘይደለና ኢና ነዚ ገይርና”ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ “ጋንታና ምስ መጋጥምቶም ዝኾነ ኣካላዊ ምትንኻፍ ከይገብሩን ካብኦም ልዕሊ 2 ሜትሮ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ክገብሩ ኢና ነጊርናዮም” ኢሉ።
ኣሰልጣኒ ጋንታ ኤስቪ ሆልደንሰተድ 2 ፍሎርያን ቸዋተር ብወገኑ “መጋጥምትና ጸወታ ካብ ምክያድ ዝኾነ ዝዓግቶም ነገር ኣይነበረን” ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
