እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ህንዲ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 5 ሚልዮን በጺሑ
ሰብ መዚ ህንዲ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዩን ከም ዝበጽሐ ገሊጾም።
ህንዲ ብብዝሒ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ንኣሜሪካ ብምስዓብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።
ኣብ ህንዲ፡ ብዝሒ ሓዲሽ መልከፍቲ ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ መዓልታት፡ መዓልታዊ ብልዕሊ 90 ሽሕ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ።
በዚ መሰረት ህንዲ ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝልዓለ ቁጽሪ ተመዝግብ ዘላ ሃገር ኮይና ኣላ።
ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሕጽረት ዓራውትን ሕጽረት ቀረብ ኦክስጅንን ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
እንተኾነ ብመንጽር ብዝሒ መልከፍቲ ክረአ እንከሎ ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ሞት ትሑት ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
መንግስቲ ህንዲ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣንቢርዎ ዝነበረ ምሉእ ዕጽዋ፡ ነቲ ብሰንኪ ዕጽዋ ዝተሃሰየ ቁጠባ እታ ሃገር ንምሕዋይ ኢሉ ምስ ኣልዓሎ እቲ ለበዳ ብናህሪ ከም ዝወሰኸ’ዩ ዝግለጽ።
እቲ ቁጽሪ መልከፍቲ ዋላ ድኣ ብናህሪ ይላባዕ ይሃሉ’ምብር መንግስቲ ግን ገና ነቲ ኣንቢርዎ ዝነበረ ከፊላዊ እገዳ ምንቅስቃስ ኣብ ምፉዃስ እዩ ዘሎ።
ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣስታት 600 ሽሕ ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እያ ኣመዝጊባ።
ክሳብ ሎሚ ድማ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለከፉ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ዝተመዝገበ 90 ሽሕን 123 ተወሲኽዎ ብሓፈሻ እቲ ቁጽሪ ናብ 5,020,359 ክብ ኢሉ’ሎ።
ብዛዕባ ሕጽረት ቀረብ ኦክስጅንከ?
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ህንዲ ጠለብ ኦክስጅን ሰማይ’ዩ ዓሪጉ ዘሎ።
ሆስፒታላት ኣብዚ ወርሒ፡ መዓልታዊ ኣስታት 2700 ቶን ኦክስጅን’የን ዘህልኻ ዘለዋ።
ምስቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ መዓልታዊ 750 ቶን ኦክስጅን ዘህልኽኦ ዝነበረ ብምንጽጻር ድማ እቲ ቀረብ ይውሕድ ከም ዘሎ ኦክስጅን ዘፍርያ ትካላትን ይሕብራ።
ጠለብ ኦክስጅን ልዕሊ ዓቕመን ኮይንወን ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ መጠን መልክፍቲ ኣብ ዝውስኸሉ ጠለብ ኦክስጅን’ውን ክውስኽ ከም ዝኽእል እተን ትካላት ይገልጻ።
ኣብ ህንዲ እተን ዝበዝሓ ኦክስጅን ዘፍርያ ዓበይቲ ትካላት ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ህንዲ’የን ተዶኵነን ዘለዋ።
ስለዚ እተን ካብ ከተማታት ኣዝየን ርሑቐን ዝርከባ ማእከላት ጥዕና፡ እቲ ኦክስጅን ብፍሉያት መካይን ተጻዒኑ’ዩ ዝኸደን።
ህንዲ 1500 ዝኾና ነዚ ኦክስጅን ክጽዕና ዝኽእላ መካይን ጥራይ እየን ዘለዋኣ፡ እዚ’ውን እቲ ካልእ ክማላእ ዘለዎ ሕጽረት’ዩ።
ርእሰ ከተማ ድልሂ ከም ኣብነት እንተተወሲዳ፡ ኣብታ ከተማ ዋላ ሓንቲ ኦክስጅን ተፍሪ ትካል የላን፤ ስለዚ ጠለባት ኦክስጅን ደልሂ ካብ ጎሮባብቲ ዞባታት’ዩ ዝማላእ ዘሎ።
ዞባታት ማህራሽተራ፣ ማዲሃ ፕራዲሽ፣ ጉጃራት፣ ራጃስታን፣ ታላንጋናን ኣንድራ ፕራድኢሽን እተን ዝልዓለ መጠን መልከፍቲ ዘመዝግባ ዘለዋ ዞባታት እየን።