ካብ ኣመሪካ 99 ሽሕ ዶላር ሒዙ ክወጽእ ዝተትሓዘ ኢትዮጵያዊ ገንዘቡ ክውረስ ይኽእል'ዩ-ተባሂሉ

Published

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንተቖጻጸርቲ ጉምሩክ ከየፍለጠ ናብ 99 ሽሕ ዶላር ዝጽጋዕ ገንዘብ ካብ ኣመሪካ ከውጽእ ዝተትሓዘ ኢትዮጵያዊ፡ ገንዘቡ ክውረስ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ቢቢሲ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ውሽጢ ሃገር ኣመሪካ ካብ ዘሎ ክፍሊ ክትትል ዶብን ጉምሩክን ብመሰረት ዝረኸቦ መረዳእታ፡ እቲ ኢትዮጵያዊ ሒዙዎ ዝነበረ ኣዝዩ ልዑል መጠን ገንዘብ መንግስቲ ክወርሶ ከም ዝኽእል የመልክት።

እቲ ውልቀሰብ፡ ብዝሓለፈ ሮቡዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽእ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዳላስ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ተጉዓዝቲ እናሃለ ብተቖጻጸርቲ ጉምሩክን ዶብን ኣመሪካ ምስቲ ሒዙዎ ዝነበረ ገንዘብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለ ተገሊጹ።

እቲ ውልቀሰብ ሒዙዎ ዝነበረ 98 ሽሕን 762 ዶላር ኮይኑ፡ ልዕሊ 3.6 ሚሊዮን ብር ዝግመት'ዩ።

ሰራሕተኛ ርክብ ህዝቢ ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ ኣመሪካ ስቲቭ ሳፕ ን ቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ተጉዓዝቲ ዝሓዙዎ መጠን ዶላር ንከፍልጡ ኣብ ዝሕተተሉ እዋን፡ ምስቲ ውልቀሰብ እነበረ ዶላር ሕጊ እታ ሃገር ዝጠሓሰ እዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ስለ ዘይኣተወን ክሲ ገበን ስለ ዘይተመስረተሉን ማንነቱ ከም ዘይግለጽ ቢቢሲ ዝረኸቦ መረዳእታ የመልክት።

ከምዚ ዓይነት ናይ ሕጊ ጥሕሰት ከጋጥም እንከሎ ክሲ ምምስራት ዝምልከት ዐዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ውሳነ ከም ዝህብ ዘመላኽት ስቲቭ ሳፕ፡ ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ገበን ንዘይምምስራት ከም ዝወሰነን እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይኣምርሐን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ውልቀሰብ መጠን ዝውውር ገንዘብ እታ ሃገር ናይ ምፍላጥ ግዴታ ስለ ዘይፈጸመ ልዕሊ 98 ሽሕ ዶላር ኣብ ኢዱ ተረኺቡ'ዩ።

ስፒቭ ሳፕ ከም ዝበሎ፡ ተጉዓዝቲ ብዝተፈላለየ መገድን ብተደጋጋሚ ዝሕዙዎ መጠን ገንዘብን ብትኽክል ክከፍልጡ ከም ዝሕተቱን፡ ብጽሑፍን ብቃልን ንተቖጻጸርቲ ጉምሩክ ከፍልጡ ግዴታ ኣለዎም።

ሰበ ስልጣን ከም ዝብሉዎ እቲ ኢትዮጵያዊ ውልቀሰብ ኣብ ኣመሪካ ሕጋዊ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ እዩ።

ኣብቲ እዋን ሒዙዎ ዝነበረ ጥረ ገንዘብ ብጽሑፍን ቃልን ከፍልጥ ከም ዝተሓተተን 14 ሽሕ ዶላር ጥራሕ ከም ዝሓዘ ሓበሬታ ክህብ እንከሎ፡ ኣብቲ ሒዙዎ ዝነበረ ቦርሳ ግን 19 ሽሕን 112 ዶላር ተረኺቡ'ዩ።

በዚ ምኽንያት ብሓለፍቲ ክትትል ዶብን ጉምሩክን ተፈቲሹ ሓሊፉ ዝነበረ ቦርሳ ሓዊሱ ብዝተገብረ ዳግማይ ተፍትሽ ኣብ ጫማን ስረን ዝተሓብአ ተወሳኺ 79 ሽሕን 650 ዶላር ክርከብ ክኢሉ'ዩ።

ስቲቭ ሳፕ ወሲኹ እቲ ውልቀሰብ እዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ከም ዝሓዘን ንምንታይ ግልጋሎት ከም ዘውዕሎን'ኳ እንተገለጸ ምንጪ እቲ ገንዘብ ግን ኣይተፈልጠን ኢሉ።

እንተኾነ እቲ ውልቀሰብ እቲ ዝተትሓዘ ገንዘቡ ንክምለሰሉ ናይ ምሕታት መሰል ዘለዎ ኮይኑ ኣቐዲሙ ግን ምንጪ እቲ ገንዘብን ኣብ ምንታይ ዕላማ ዝውዕል'ዩ ዝብልን ክጻረ ኣለዎ።