ኮሮናቫይረስ፡ እስራኤል ሓድሽ ዕፅዋ ክትእውጅ እያ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እስራኤል ኣብ ቅንያት ሓድሽ ዓመት ኣይሁድ፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ ሓድሽ ሃገራዊ ዕፅዋ ክትትግብር እያ።
እቲ ንኻልኣይ ግዘ ዝተኣወጀን ካብ ዝመፅእ ዓርቢ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝግበርን ዕፅዋ ብውሑድ ንሰለስተ ሳምታት ክፀንሕ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ:“እቲ ዕፅዋ ንኹላትና ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል እዩ”፡ እንተኾነ ግን ብዝሒ መዓልታዊ መልክፍቲ እታ ሃገር ኣርባዕተ ሽሕ በፂሑ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ክልከላ ንምንታይ ኣብ ቅንያት በዓል ኣይሁድ ይኸውን ዝበለ ሓደ ሚኒስተር ድማ፡ ነቲ ዕፅዋ ብምቅዋም ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ኣሎ።
ሚኒስተር ኣባይትን መራሒ የማናዊ ውድብ ኣልትራ-ኦርቶዶክስ ጂውሽን ዝኾነ ያቆቭ ሊትዝማን፡ እቲ ክልከላ ኣይሁድ፡ ቅዱስ መዓልቲ ኢሎም ዘኽብርዎ በዓል ዮም ካፑር ሓዊሱ ሃይማኖታዊ በዓሎም ከየኽብሩ ዝገብር እዩ ብምባል እዩ ተቓዊሙ።
ብተወሳኺ፡ ንውድቡ ካብቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ከውፅእ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ኣብ እስራኤል ዛጊድ 153 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙን፡ 1,108 ሰባት ከምዝሞቱን ፀብፃብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፔኪንስ ይገልፅ።
ኣብታ ከባቢ 9 ሚልዮን ዜጋታት ዘለዋ ሃገር ክትግበር ተሓሲቡ ዘሎ ዕፅዋ፡ ልዕሊ 10 ሰባት ኣብ ገዛ: ልዕሊ 20 ሰባት ድማ ኣብ ደገ ከይእከቡ ዝኽልክል እዩ።
ብተወሳኺ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ንግድን እውን ክዕፀዉ እዮም።
እቲ ዕፅዋ ነቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተጎድአ ቁጠባ እታ ሃገር ተወሳኺ ናይ 1.8 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ክሳራ ከምዘውርደሉ ሚኒስተር ቁጠባ እታ ሃገር ገሊፁ።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
