ህንድን ቻይናን ነቲ ኣብ ዶባተን ዘሎ ወጥሪ ክፈትሕኦ ተሰማሚዐን

Published

ህንድን ቻይናን ነቲ ኣብ ዶባተን ዘሎ ዘሰሓሕበን ጉዳይ ክፈትሕኦ ከምዝተሰማመዓ ተገሊጹ።

ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ቻይናን ህንድን ብሓሙስ ድሕሪ ምርኻቦም ነቲ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ዘየሰማምዕ ነጥብታትን ሓድሕድ ምክሳስን መዕለቢ ክገብርሉ ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም።

ወተሃደራት ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ፍሉጥ መፈላለዩ ዘይተነበረሉ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ብተደጋጋሚ ክተፋነኑ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ሞት ዘስዓበ ምልውዋጥ ቶኵሲ ከምዘካየዳ’ውን ዝዝከር’ዩ።

ክልተኦም ሚኒስተራት ኣብ ዝውጽእዎ ሓባራዊ መግልጺ “እዚ ህሉው ኩነታት ንኽልተና ዘርብሕ ኣይኮነን” ኢሎም።

መኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ኡስ ጃይሻንካርን ሚኒስተር ጉዳኣት ወጻኢ ቻይና ዋንጊ ዩንን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ “ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለዉ ሰራዊት ነንሓድሕዱ ዘተ ክጅምር፡ ወጣሪ ነገራት ክፍታሕ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ሰራዊት ዝህሉ ዘለዎ ምርሕሓቕ ክውሰን” ዝብል ዝርከቦ ነጥብታት ዘርዚሮም ኣለዉ።

ክልቲኦም ሚኒሰትራት “ሰላምን ህድኣትን ዘማሓይሽን ዘስፍንን ስጉምትታት ክውሰድ” እኳ እንተበሉ እቲ ሰላምን ህድኣትን ዘስፍን ዝበልዎ ነጥብታት ግን ኣይዘርዘሩን።

ቻይናን ህንድን ኣብቲ ዘሰሓሕበን ዞባ፡ ወተሃደራተን ዝኾነ ዓይነት ምልውዋጥ ቶኵሲ ከይገብሩ ዝብል ኣቐዲመን ዝተሰማማዓሉ ውዕል ከምዘለወን ዝዝከር ኮይኑ፡ እንተኾነ ቻይና ብሰሉስ ወተሃደራት ህንዲ ነቲ ውዕል ብምጥሓስ ‘ቶኵታዂ’ ዝበለቶ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ሰራዊታ ጥይት ከምዝተኾሱ ድሕሪ ምሕባራ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝነበረ ወጥሪ ሰማይ ከምዝዓርገ ይዝከር።

ህንዲ ብወገና፡ ወተሃደራት ቻይና ነቲ ዝነበረ ውዕል ብምጥሓስ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ቦታታት ብረት ሒዞም ብምእታዎም ናብ ሰማይ ከምዝቶኾሱ ትኸስስ።

ህንዲ፡ ኣቐድም ኣቢላ ሰራዊት ቻይና ኣብቲ ቦታ ሓሙሽተ ህንዳውያን ቤርጌሳት ጨውዮም ከምዝወሰዱ ከሲሳ ነይራ’ያ።

ድሕሪ ክሲ ህንዲ፡ ሰብ መዚ ቻይና እቶም ተጨውዮም ዝተበሃሉ ህንዳውያን ከምዝተረኸቡን ናብ ህንዲ ንኽምለሱ ምድላዋት ከምዝተጻፈፈን ገሊጾም።

ኣብ 20 ሰነ’ውን ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝሰሓሓብሉ፡ ወተሃደራት ህንዲ ብሰራዊት ቻይና ተሃሪሞም ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና ህንዲ ኣቃሊሐን።

እቲ ኣብ ሞንጎ ህንድን ቻይናን ዘሳሓሕብ ቦታ 3440 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ኣፋላጋት፡ ቀላይን ብበረድ ዝተሸፈነ ቦታታትን ስለዝኾነ ፈሉጥ መፈላለየ ምልክት የብሉን።

ሰራዊት ህንድን ቻይናን ብደረጃ ዓለም ካብቶም ብኸቢድ ዝዓጠቑ ሰራዊት ኮይኖም ብዙሕ ግዜ ሓጸርቲ ወተሃደራዊ ግጥማት ኣካይዶም’ዮም።

ህንዲ፡ ቻይና ካብ መሬት ህንዲ ኣስታት 38 ሽሕ ትርቢዒት ኪሎሜር ከቢታ ከምዘላ እያ ትኸሳ።

ህንድን ቻይናን ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ነቲ ኣብ ሞንጎአን ዝነበረ መጥሪ ንምዝላቓ ተደጋጋሚ ዘተታት ኣካይደን እየን ነባሪ ፋታሕ ኣብ ዘምጽእ ስምምዕ ግን ክበጽሓ ኣይከኣላን።

እዘን ክለተ ዓርሞሺሽ ሰራዊት ዝሓዛ ሃገራት ኣብ 1962 ከቢድ ወተሃደራዊ ግጥም ከምዘካየዳ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ናይ ሽዕኡ ግጥም ብዓወት ቻይና እዩ ተዛዚሙ።

እዚ ብሚኒሰትራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብዙሓት ተንተንቲ ‘ትጽቢት ዘይተገበረሉ ስምምዕ’ ኢሎም ገሊጾምዎ ኣለዉ።