እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ 11 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም
Published
ኣብ ኤርትራ፡ ትማሊ፡ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ማይ-ምን፡ እንዳገርጊስ፡ ጸሮናን ስርሓን ኣብ ዝተገብረ መርመራ 11 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ማይ-ምነ 1፡ እንዳገርጊስ 2፡ ጾሮና 2 ከምኡ’ውን 6 ኣብ መወሸቢ ሰርሓ ተዓቚቦም ዝነበሩ እዮም።
እቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ኣብ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው መገዲ ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ምዃኖም እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣብ ኤርትራ ዛጊት፡ 341 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። ካብዚኦም እቶም 295 ምሉእ ብምሉእ ሓዊዮም ንገዝኦም ክፋነው እንከለው፡ 46 ሰባት ድማ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።