ኣሜሪካ ካብ ቻይና ዝመጽእ ገለ ንብረት ናብ ዓዳ ከይኣቱ ክትክልክል’ያ

Published

ኣሜሪካ ካብ ዞባ ዚንጃንግ ናይ ቻይና ዝመጽእ ንብረት፡ እታ ዞባ ነቲ ፍርያት ብግዱድ ዕዮ’ያ ትፈርዮ ዝብል ሓበሬታ ከምዝበጽሓ ብምሕባር ናብ ሃገራ ከይኣቱ ከምእትኽልክሎ ኣፍሊጣ።

እቲ ካብ ቻይና ናብ ኣሜሪካ ከይኣቱ ክኽልከል ዝተወሰነ ጡጥን ኮሚደረን ኮይኑ፡ እዚ ፍርያት እዚ ኣብ ቁጠባ ቻይና ሓደ ካብ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ዞባ ዚንጃንግ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኡጋሪ ሙስሊም ኣብ ግዱድ ዕዮ ተዋፊሮም ኣላ ብዝብል ተደጋጋሚ ጸቅጢ ክፈጥር ጸኒሑ’ዩ።

ቻይና’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዞባ ዚንጂንግ ሕሉፋት ምጥርናፋን ግብረሽበራ ክፍጽሙ ዝኽእሉ ሰባት ኣለዉ ብምባል ፍሉይ ቆላሕታ ሂባ’ያ ክተሰርሕ ጸኒሓ።

ቻይና ድኣ ፍሉይ ትምህረቲ’የ ዝህቦም ዘለኹ ትበል’ምበር ኣብ ዞባ ዚንጂንግ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ብዘይፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

ናይ ኣሜሪካ ምክትታል ዶባትን ትካል ዕድግን እቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ከተግብሮ ወጢንዎ ዘሎ ንምትግባር ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ትግባረ ይጽበዩ ከምዘለዉ ይገልጹ።

ኣሜሪካ፡ እቲ ሕጊ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ደቂ ሰባት፡ ዕዮ ትሕቲ ዕድመን ግዱድ ሸቕልን ከምኡ’ውን መሰል ደቂ ሰባት ንምቁጽጻር ዝተኣታቶ ዘሎ ሕጊ ምኳኑ’ያ ትገልጽ ዘላ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ሓገግቲ ኣካላት ኣሜሪካ ኩሉ ካብ ዞባ ዚንጃንግ ናይ ቻይና ዝመጽእ ንብረት ብግዱድ ዕዮ ዝተሰርሐ’ዩ ዝብል ሓበሬታ ከምዘለዎም ብምግላጽ ካብዚ ዞባ ዝምጽእ ንብረት ብግዱድ ዕዮ ከምዘይተሰርሐ ዝምስክር ወረቐት ከይሓዘ ናብ ኣሜሪካ ከይኣቱ ክጽውዑ ጸኒሖም’ዮም።

ዋሽንግተንን በይጂንግን ብሰንኪ እቲ ኣብ ቻይና ኣሎ ዝብሃል ዘይሕጋዊ ቤት ማእሰርቲ ክዋጠጣ ጸኒሐን’የን፡ ቻይና ግን እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝብሃል ዘሎ ሰባት ንምምሃር ኢላ ከምእትጥቀመሉን ንውሽጣዊ ጸጥታኣ ኣገዳሲ ምዃኑን እያ ትገልጽ።

ቻይና ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ዞባ ዚንጃንግ ዝፍሪ 20 ሚእታዊት ካብ ጠለባት ጡጥ ናይ ዓለም ከምእተማልእ እዩ ዝገልጽ፡ ዞባ ዚንጃንግ ብዘይካ ኣብ መፍረ ጡጥ ኣብ መፍረ ፔትሮ ከሚካል’ውን ፍልጥቲ ዞባ እያ።