ኣብ ቱርኪ ሓደ ቅትለት ዝፈጸመ ሰብ ንልዕሊ 1000 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ቱርኪ፡ ሓደ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል 39 ሰባት ብምቕታል ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ንሕልፈት ተፈሪዱ።
ዜግነት ናይ ሃገረ ኡዝበኪስታን ዘለዎ ዓብዱልቃድር ማሻሪፖቭ፡ ናይ 40 ዕጽፊ ዕድመ ሰብ'ዩ ተበዪኑሉ ዘሎ።
ንሱ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ጸኒሑ።
ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዒሽ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ ምንባሩ ይዝከር።
ማሻሪፖቭ፡ "ኮነ ኢሉ ቅትለት" ከም ዝፈጸመን "ቅዋም ብምጥሓሱን" ከም ዝተፈረደ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፡ ኣናዶሉ ሓቢሩ።
ነቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ 79 ሰባት ክቐትል ብምፍታኑን፡ ዘይሕጋዊ ብረት ሒዙ ብምርካቡን'ውን፡ ናይ 1,368 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተበየነሉ ተፈሊጡ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ዝነበሮ ኢልያስ ማማሳሪፖቭ ዝተባህለ ካልእ ውልቀሰብ'ውን፡ ልዕሊ 1400 ዓመት ማእሰርቲ ተቐቢሉ።
ካልኦት 58 ውልቀሳባት'ውን፡ ኣባላት ኣሸባሪ ጉጅለ ብምንባሮም ዝተፈላለየ ማእሰርቲ ተበዪንሎም ኣሎ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ነይሩ?
ኣብ 2017፡ ብኣቆጻጽራ እቲ ሃገር ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ፡ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ሓደ ኣብ ሰሜን ከተማ ኢስታንቡል ዝርከብ ለይታዊ ትልሂት ንሓድሽ ዓመት ዝጽንብሉ ዝነበሩ ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ማሻሪፖቭ፡ ብታክሲ ናብቲ ቦታ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ካብ መኪናኡ ብረት ብምልዓል፡ ናብ ኣፍደገ እቲ ለይታዊ ትልሂት ኣምሪሑ።
ጠያይቲ እናተኮሰ ድማ ናብቲ ክለብ ኣትዩ። ዓይኒ 'ብለይ ስኒ 'ብለይ ከኣ ኣብቶም ሰባት ብኣልማማ ክትኩስ ጀሚሩ። ካዝናታቱ ንምምላእ'ውን፡ ቦምባታት ትኪ እናተኮሰ፡ መጥቃዕቱ ቀጺሉ። ንዝቖሰሉ እናዳገመ ድማ ካብቲ ቦታ ተሰዊሩ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ፡ ዜጋታት እስራኤል፡ ፈረንሳ፡ ቱኒዝያ፡ ሊባኖስ፡ ህንዲ፡ በልጂም፡ ዮርዳኖስን ስዑዲን ተቐቲሎም፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካልኦት'ውን ቆሲሎም።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ ድሕሪ ነዊሕ ዝወሰደ ሃድን ብ17 ጥሪ 2017 ክታሓዝ ኪኢሉ።
ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ፖሊስ እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ጥርጡራት ኣባላት ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዒሽ ተሪር ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ሓያሎ ኣብ ፍርዲ ኣቕሪቦም'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ዝለዓለ ኣዛዚ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ መንግስቲ ገሊጹ ነይሩ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
