ፌስቡክን ትዊተርን ንኣመሪካ ዒላማ ዝገበሩ ‘መርበባት ሩስያ’ ከምዝበተኹ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፌስቡክ፡ ብሩስያ ጽልዋ ንምሕዳር ተባሂሎም ዝተኸፈቱ ምንባሮም ዝገለጾም ገጻት ዝሓዘ ሓደ ንእሽቶ መርበብ ከምዝበታተኸ ኣፍሊጡ።
እቲ መርበብ፡ ምስ ኤጀንሲ መጽናዕቲ ኢንተርኔት ሩስያ (IRA) ርክብ ዘለዎ ኮይኑ፡ እዚ ኤጀንሲ ድማ፡ ኣብ’ቲ ኣብ 2016 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ኢድ ብምእታው ክኽሰስ ዝጸንሐ እዩ።
ትዊተር’ውን ኣካል ናይ’ቲ መርበብ ዝኾኑ ሓሙሽተ ገጻት ኣጊዱ’ሎ።
እቶም ገጻት፡ ‘ፒስዳታ’ ንዝበሃል ብቋንቋ እንግሊዝን ዓረብን ዜና ዘቕርብ ዌብሳይት ማእከሎም ገይሮም እዮም ክሰርሑ ጸኒሖም።
እቲ ዌብሳይት ‘ንከስቢ ዘይቆመ’ ኣቕራቢ ዜና ምዃኑ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።
ፌስቡክን ትዊተርን ከምዝበልዎ፡ እቲ ብሩስያ ዝተኻየደ ወፍሪ ንእሽቶ ጽልዋ ጥራይ እዩ ነይሩዎ።
እዚ ዜና ተሰሚዑ ዘሎ ድማ፡ ኣብ መንጎ ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ንሕንሕ ዝካየደሉ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ክልተ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።
ፌስቡክን ትዊተርን ከምዝበልዎ እንተኾይኑ፡ ምስ’ቲ ኣንጻር ግዳማዊ ጽልዋ ዝነጥፍ ናይ ኤፍቢኣይ ክፍሊ ብምትሕብባር እዮም ኣብ ልዕሊ ዌብሳይት ‘ፒስዳታ’ ነዚ ስጉምቲ ወሲዶም ዘለዉ።
‘ፒስዳታ’፤ ጸጋማዊ ናይ ፖለቲካ ዝንባለ ንዘለዎም ሰባት ትሕዝቶ ዝቐርበሉ እዩ ነይሩ።
ፌስቡክ ከምዝበሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ከምኡ’ውን ኣብ ብሪጣንያን ግብጽን ሓዊሱ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ “ኣዘራረብቲ ዛዕባታት” ጽልዋ ንምሕዳር ክሰርሑ ዝጸንሑ 13 ገጻት እዩ ሰሪዙ።
እቶም ገጻት፡ ብዙሕ ሰዓቢ ኣይነበሮምን ድማ ተባሂሉ።
እቶም ዝተሰረዙ ገጻት፡ ናይ ሓሶት ስምን ስእልን ዝጥቀሙ እዮም ነይሮም ኢሉ ፌስቡክ። እንተኾነ፡ ሓቀኛ ጸሓፍቲ’ውን “ከይፈለጡ” ንዌብሳይት ፒስዳታ ክጽሕፉ ጸኒሖም እዮም ይብል ፌስቡክ።
ትዊተር ብወገኑ ድማ፡ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎምን ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ መድረኽ ንምምዝማዝ ክሰርሑ ዝጸንሑን ገጻት ከምዝኣገደ እዩ ኣፍሊጡ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
