ኢትዮጵያ፡ ዝተበከለ ስጋ ገመል ዝበልዑ ልዕሊ 100 ሰባት ሓሚሞም

ዝሃመመ ግመል ዝበልዑ ሰባት
Published

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ፡ ዝሓመመ ገመል ሓሪዶም ተማቒሎም ዝበልዑ ልዕሊ 110 ከምዝሓመሙ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዞም ናይ ዝሓመመ ገመል ስጋ ዝበልዑ ሰባት፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ቦርቦሪ ኣብ ዝተብሃለ መደበር ጥዕና ሕክምና ረድኤት ክግበረሎም ቀንዩ።

እታ ናይ መወዳእታ ዝሓመመት ሰብ ኣብቲ ማእከል ጥዕና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕክምና ተገይሩላ ወጺኣ ተባሂላ።

ናይዚ ገመል ስጋ በሊዖም ካብ ዝሓመሙ ሰባት ሓንቲ ዝኾነት፡ ወይዘሮ ቦሪ ጃርሶ፡ ነቲ ስጋ ኣብሲላ ከምዝበልዐቶ እንተተዛረበት'ኳ፡ ንሳ'ውን ከምዝሓመመት ገሊጻ።

"ዋና እታ ገመል ጎረቤትና እዩ። እቲ ገመል ምስ ሓመመ ዝተፈላላዩ ባህላዊ መድሓኒት የስትይዎ ነይሮም። እንተኾነ፤ እቲ ገመል ሕማሙ እናገደዶ ምስከደ ተሓሪዱ። ንዓና ድማ እቲ ስጋ ተልኢኹልና ተማቒልና በሊዕና" ኢላ።

ዋላ እቶም ነቲ ስጋ ኣብሲሎም ዝተመገቡ ሰባት ሓዊሱ፡ ኩሎም ናይቲ ገመል ስጋ ዝበልዑ ሰባት ብናይ ሰዓታት ኣፈላላይ ከምዝሓመሙ ወ/ሮ ቦሪ ትዛረብ።

"ሕማም ርእሲን ተምላስን ዘለዎ ኾይኑ ሓያል ሕማም እዩ ኣስዒቡልና። ፈጣርን ሓኪምን እዮም ኣድሒኖምና። እቲ ሕማም ገና ኣይገደፈናን ዘሎ" ትብል።

ኣብ መደበር ጥዕና ቦርቦር ነርስ ዝኾነ፡ ኣቶ ኮኮብ መሓሪ፡ መጀመርታ ዕስራ ዝኾኑ ሰባት ናብቲ ማእከል ሕክምና ከምዝመጽኡ ይዛረብ።

"ውጽኣትን ተምላስን ከምኡ ድማ ልዑል ርስኒ ነይርዎም" ኢሉ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናብቲ ማእከል ጥዕና ዝመጽኡ ሰባት፡ ሓደ ዓይነት ምልክት ሕማም ከምዘርአዩ እዩ ዝዛረብ።

ቀስ ብቐስ ቁጽሮም እናወሰኸ ብምኻዱ ድማ፡ ብዝሖም 110 ከምዝበጽሐ ይዛረብ።

ዕድሚኦም ካብ ሓደ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ 70 ዓመት ከምረዝኾነን፡ ኣብ ህይወት ዝበጽሐ ሓደጋ ከምዘየለን እቲ ነርስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ዳሲ ናይ እንስሳታት ሓኪም ዝኾነ ዶ/ር ፍራኢል ዋቆ፡ እቲ ማሕበረሰብ ናይ ዝሓመመ እንስሳን ዘይበሰለ ስጋን ምምጋብ ጠጠው ከብሉ ከምዘለዎም'ዩ ዝመክር።

"ሓደ ሕማም ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ክተሓላለፍ ይኽእል እዩ። እቲ ዝሓመመ እንስሳ መድሓኒት ተዋሂብዎ እንተነይሩ ድማ እቲ መድሓኒት ካብ ሰውነቱ ክሳብ ዝወጽእ ምጽባይ የድሊ" ኢሉ።