ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዘይብሉ ቱር ዲ ፍራንስ ሎሚ ይጅምር ኣሎ

Published

ሓደ ካብ ዓበይቲ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ዓለምና ዝኾነ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ 22 ጋንታታት ዝተሓቖፉ 176 ተቐዳደምቲ ሒዙ ሎሚ ክጅምር እዩ።

ኣብ 2015 ምስ ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካ ዝወዳደሩ ዝነበሩ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ንመጀመርታ ዝተወዳደሩ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፡ ዳንኤል ተክለሃይማኖት ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ናይቲ ውድድር ናይ ዓቀብ ነጠብጣብ ማልያ ወኒኑ ምንባሩ ይዝከር።

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካን'ውን ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኣብ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ክትወዳደር ዝኸኣለት ጋንታ እያ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ 2015፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ኣብ 2016 ከምኡ'ውን ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2019 ኣብዚ ዓቢ ውድድር ክወዳደሩ ዝኸኣሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ'ዮም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ መርሃዊ ቅዱስ ዝወዳደረላ ጋንታ ኣስታና ከምኡ'ውን ናትናኤል ብርሃነ ዝወዳደረላ ጋንታ ኮፊደስ ይሳተፋ'ኳ እንተሃለዋ እዞም ክልተ ተቐዳደምቲ ግን ስሞም ኣብ ዝርዝር ተቐዳደምቲ እተን ጋንታታት ኣይሰፈረን።

ምስ ጋናት ሚቸልተን ስኮት ዝወዳደር ኣብ ቱር ዲ ፈራንስ ኣብ 2016፡ 2017፡ ከምኡ'ውን 2018 ዝተሳተፈ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ እታ ጋንታ ምስ ተጠበባበቕቲ እኳ ሰሪዓቶ እንተነበረት ሎሚ ግን ኣብቲ ውድድር ከምዘይሳተፍ ተረጋጊጹ'ሎ።

እዚ ሎሚ ዝጅምር ውድድር ቱር ዲ ፈራንስ 21 መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ 20 መስከረም ኣብ ውሽጢ ፖሪስ ብዝካየድ ውድድር እዩ ክዛዘም።

እዚ 3483.2 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ውድድር ሸሸሞንተ ተጻወትቲ ዝሓዛ ጋንታታት ኢንዮስ ግረንደርሰ፤ ቲም ጃምቦ ዚስማ፤ ቦራ ላ ሞንድያለ፤ ኤጂቱኣር፡ ዲሶኒክ ኵክ ስቱፕ፤ ግሩፕማ ኤፍዲጀይ፤ ባህረይን ማክላርን፤ ኢኤፍ ፕሮ ሳይክሊንግ፤ ቲም ኣርክያ ሳምሱኢክ፤ ሞቪስታር፤ ትሬክ ሳጋፍሬዶ፤ ሲሲሲ ቲም፤ ኮፊደስ፤ ዩኤኢ ቲም ኢማረትስ፤ ኣስታና ፕሮ ቲም፤ ሎቶ ስካንዳል፤ ሚቸልቶን ስኾት፤ ኢስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን፤ ፤ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ፤ ኤንቲቲ ፕሮ ሳይክሊነግ ቲም፤ ቲም ሱንወብን ቢቢ ሆቴል ቪታል ኮንሰፕንትን ክሳተፋ እየን።

ኣብዚ ንመበል 107 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ቱር ዲፍራንስ ሓሙሽተ ኣብ ናይ ዓቐብ ውድድራት፡ ሓንቲ 36 ኪሎሜተር ዝሽፍን ናይ ግዜ ውድድር፡ ከምኡ ድማ ኣብ ኣብ ካልኣይ፡ ሻዱሻይ፡ ሻሙናይ፡ ታሽዓይ፡ ዓሰርተ ክልተ፡ ዓሰርተ ሰለስተ፡ ዓሰርተ ሽዱሽተን ዓሰርተ ሸሞንተን ንቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጽኡ 8፡ 5 ከምኡ'ውን 2 ካልኢት ሞቅሽሽ ዘውህብ መድረኻት ኮይነን ተሰሪዐን ኣለዋ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ እንታይ ኮይኖም'ዮም ዘይሳተፉ ዘለዉ?

ብመሰረት መምዘኒታት ዓለማዊ ማሕበር ቅድድም ብሽግለታ (UCI) እቶም ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ናይ ውድድር መድረኻት ሰለስተ እዮም።

እዞም ብግራንድ ቱር ዝፍለጡ ሰለስተ ውድድራት፡ ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ቱር ደ ፍራንስን ቮልታ ስጳኛን እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጂሮ ዲ ኢጣልያ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ቱር ደ ፍራንስ ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ቮልታ ስጳኛ ድማ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ፈለማ ወርሒ መስከረም እዮም ተኻይዶም።

ኣብዚ ዓመት እዚ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዘሕደሮ ጽልዋ፡ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ፈለማ ዝካየድ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር ዝኾነ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ናብ ወርሒ ጥቅምቲ እዩ ተሰጋጊሩ ዘሎ። ስለዚ ኣብዚ ዓመት እዚ ፈለማ ዝካየድ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር ቱር ደ ፍራንስ ኮይኑ ይርከብ።

ዳርጋ ዝበዝሑ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ዓለምና፡ ነዚ ንዓለምና ኣብ ወጥሪ ዝሸመማ ለበዳ ኣኣብ ሃገሮም ኮይኖም ካብ ልሙድ ልምምድ ወጻኢ ኮይኖም እዮም ኣሕሊፎሞ።

ዝበዝሓ ጋንታታት፡ ኣብ ናይዚ ዓመት'ዚ ቀዳማይ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር፡ ነቶም ብቐረባ ቁመንኦም ክከታተልኦ ዝጸንሓ ተቐዳደምቲ ከሰልፋ ከም ዝመረጻ ተንተንቲ እዚ ዓውዲ ይገልጹ።

ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ኣፍልጦ ዘለዎም ወገናት፡ ቁመና ናይ ተቐዳደምቲ ብሰንኪ እዚ ዘጋጠማ ለበዳ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይ ብዝበለ መጠን ጎዲሉ ከም ዘሎ ይሕብሩ። ድሕሪ ወርሒ ሰነ ዝተጀመረ ስሩዕ ልምምድ ንሓደ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር እኹል እዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልን።

ጋንታታት፡ ነዚ ሎሚ ዝጅምር ቱር ደ ፍራንስ ኣብ ኢደን ብዝጸንሐን ዝተረጋገጸን ቁመና ናይ ተቐዳደምቲ ኪወከላ ስለ ዝመረጻ፡ ብዙሓት ነዚ ውድድር እዚ ካብ ፈለማ ዓመት ኣተኩሮምሉ ግን ከኣ ካብ ክለባቶም ርሒቖም ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ግዳይ ክኾኑ ክኢሎም ኣለው።

ናይ ኤርትራውያን ኮነ ተቐዳደምቲ ጉዳይ ድማ በዚ ኣብ መቓን እዩ ዝርአ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ደ ፍራንስ ተወዳደርቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዝግለጹ ዘለው ተቐዳደምቲ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሰለስተ ተቐዳደምቲ ግን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕውት ናይዚ ውድድር እዚ ኮሎምቢያዊ ኤጋን በርናል ካብ ክለብ ኢኖስ፡ ቶም ድሙላን ካብ ክለብ ጃምቦ ቪስማ፡ ሚግዌል ኣንገል ሎፐዝ ካብ ክለብ ኣስታና እዮም።

ብዘይካ እዞም ሰለስተ ከም ናሮ ኲናታና፡ ጁልያን ኣላፌሊፕ፡ ሚኪኤል ላንዳ፡ ዳኒኤል ማርቲነዝ፡ ታዴጅ ፖጋካር፡ ቲቦት ፒኖን ፕሪሞዝ ሮግሊችን ተጠቀስቲ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ንቱር ዲ ፈራንስ ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ

2019 ኢጋን በርናል ጎመዝ ካብ ካንታ ኢኖስ

2018 ገራኢንት ቶማስ ካብ ጋንታ ቲም ስካይ

2017 ክሪስ ፈሩም ካብ ጋንታ ቲም ስካይ

2016 ክሪስ ፍሩም ካብ ጋንታተ ቲም ስካይ

2015 ክሪስ ፍሩም ካብ ጋንታ ቲም ስካይ

2014 ቪንሰንዞ ኒባሊ ካብ ጋንታ ኣስታና ፕሮ ቲም

2013 ክሪስ ፍሩም ካብ ጋንታ ስካይ ፕሮ ሳይክሊንግ

2012 ብራንደሊ ዊግንስ ካብ ጋንታ ስካይ ፕሮ ሳይክሊንግ

2011 ዳደል ኢቫንስ ካብ ጋንታ ቢኤምሲ ረሲንግ ቲም

2010 ኣንዲ ስቸልክ ጀካብ ጋንታ ቲም ሳክሶ ባንክ

2009 ኣለቤርቶ ኮንታዶር ካብ ጋንታ ኣስታና