ኮንጎ፡ ዘካሕክሕ ግፍዒ ዝፈጸመ መካነ እንስሳ ይቕረታ ንኽሓትት 114 ዓመት ወሲድሉ

Published

ኦታ ቤንጋ፡ ብ1904 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብታ ሕጂ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገር ንምርኢት ንክቐርብ ተጨውዩ ናብ ኣሜሪካ ተወሲዱ።

ጉዳይ እዚ ውልቀሰብ ስለ ምንታይ ክሕባእ ተደልዩ ዝብል? ብተደጋጋሚ ካብ ሞንጎ ዝጸሓፉ ጋዜጠኛ ፓሜላ ኒውኪሪክ ሓንቲ እያ።

ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ኣብ መካነ እንስሳ ኣህባይ ዳጒኑዎ ዝጸንሐ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ መካነ እንስሳ ብሮንክስ ሕጂ ከም ዝተጣዕሰ ይገልጽ።

ማሕበረብ ዕቀባ እንስሳ መሮር ነቲ ብ1906 ዝፈጸሞ ገበን ይቕሬታ ክሓትት ቀንዲ ዘገደዶ ምኽንያት፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣመሪካ ጆርጅ ፍሎይድ ብእግሩ ጸቒጡ ምስ ቀተሎ ድሕሪ ዝተላዕለ ናዕቢ እዩ።

ቕትለት ፍሎይድ ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣንጻር ዓሌታውነት ሓያሎ ተቓውሞ ክካየድን ዜጋታት ፍትሒ ክጠልቡን ተራእዮም።

ፕረዚደንት እቲ ማሕበረሰብ ክሪስቲያን ሳምፐር "ቀጻሊ ኣብ ትካልና ዘሎ ዓሌታውነት ክወጽእ ምግባር ኣገዳሲ እዩ" ኢሉ።

እቲ ንመካነ እንስሳ ብሮንክስ ዘመሓድር ማሕበረሰብ ዕቀባ እንስሳ ዘገዳም ካብ 9 መስከረም 1906 ጀሚሩ ክሳብ ኦታ ቤንጋ ካብቲ መካነ እንስሳታት ዝወጽኣሉ 28 መስከረም 1906 ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝነበረ መተንፈሲ ዘይብሉ ጉዳይ ንምፍታሕ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ተመጻቢዑ።

ግን እዚ ይቕሬታ ድሕሪ ዓመታት ዝወሰደ ምሕንጋድ እዮ ዝመጽእ ዘሎ።

'ሰራሕተኛ መካነ እንስሳ ነይሩ'

ማሕበረሰብ ዕቀባ እንስሳ መሮር፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣጋጣሚ ከም መምሃሪ ገይሩ ዝወስድ ንዘመናት ነቲ ጉዳይ ኣብ ምሕባእን ግጉይ ሓበሬታታትን ክህብ ጸኒሑ ተባሂሉ ይንቀፍ።

ኣብ መጀመርታ 1906 ካብቲ መካነ እንስሳ ዝተረኸበ ደብዳበ ከም ዘመላኽቶ፡ ሓለፍቲ እቲ መካነ እንስሳ ኦታ ቤንጋ ሰራሕተኛ እዩ ነይሩ ኢሎም ይካትዑ።

ኦታ ቤንጋ መን'ዩ?

  • ሳሙኤል ቨርነር ብዝተባህለ ነጋዳይ ብ1904 ኣብ ኮንጎ ተጨውዩ። ዕድሚኡ ኣይፍለጥን፤ ግን ድማ ወዲ 12 ወይ 13 ዓመት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት
  • ምስ ካልኦት 8 ቐልዑት ኣብ ዓለምለኻዊ ምርኢት 'ሴንት ሉዊስ' ክቐርብ ብመርከብ ናብ ኒው ኦርሊንስ ተወሲዱ
  • እዚ ምርኢት እቶም ቖልዑት ብዕርቃኖምን መዕቖቢ ከይተዋህቦምን ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ነይሩ
  • ኦታ ቤንጋ ብመስከረም 1906 ኣብ መካነ እንስሳ ብሮንክስ ን20 መዓልታት ንምርኢት ክቐርብ እንከሎ ብዙሓት ዕዱማት መጺኦም ይርእዩዎ ነይሮም
  • እዚ መቝሕ እንተብቅዕ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጀምስ ጎርዶን ናብ ዘመሓድሮ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ጸለምቲ ዘኻትም ሓተትቲ ዕቝባ ዝጸንሕሉ ማእከል ኣትዩ
  • ብጥሪ 1910 ኣብ ቨርጂኒያ ናብ ዝርከብ ጸለምቲ ዝመሃርሉ ኮሌጅ ኣትዩ
  • ኣብዚ ሃደንን ምዝፋፍ ዓሳን ተማሂሩ፤ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ተሞኩሮ ህይወት'ውን ንኻልኦት የካፍል ነይሩ
  • ድሕሪኡ ግዳይ ሓያል ጭንቀት ምስ ኮነ ብመጋቢት 1916 ንርእሱ ኣጥፊኡ። ሽዑ ወዲ 25 ዓመት ነይሩ ተባሂሉ ይግመት

ምንጪ፡ ዘደንቕ ህይወት ኦታ ቤንጋ

ድሕሪ ሞት ኦታ ቤንጋ፡ ብ1916 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኒውዮርክ ታይምስ እቲ ንምርኢት ክቐርብ ተገይሩ ዝብል ዘረባታት ሓቂ ኣይኮነን ክብል ጽሒፉ።

"ኣብ መካነ እንስሳ ኣህባይ ተዳጒኑ ንምርኢት ይቐርብ ነይሩ ዝብል ዘይተነጻረ ጸብጻብ ንክወጽእ ዝገበረ ምኽንያት እዚ ዕዮ'ዩ" ይብል እቲ ጽሑፍ።

እዚ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ምስ ዝወጽኡ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት ዝዋቓዕ እዩ ነይሩ።

ብ9 መስከረም 1906 እቲ ጋዜጣ ሒዙዎ ኣብ ዝወጽአ ሕታም፡ "ኣብ ፓርክ ብሮንክስ ምስ ኣህባይ ጋቢያ ዝማቐል ወዲባት" ብዝብል ርእሲ ሂቡዎ እዩ።

ድሕሪኡ ብ1974፡ ሓለቓ እቲ መካነ እንስሳ ዊልያም ብሪጅስ ብልክዕ እቲ ዘጋጠመ ነገር ክፍለጥ ኣይኽእልን ኢሉ።

'Gathering of Animals' ኣብ ዝብል መጽሓፉ "ኦታ ቤንጋ ልክዕ ከም ሓደ ዘይተለመደ፣ ዘገርም እንስሳ ድዩ 'ንምርኢት ቐሪቡ' ነይሩ?" ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ እዩ።

"ጥርሑ ኣብ ዘሎ መካነ እንስሳ ተዳጒኑ ነይሩ ሓቂ ክኸውን ተኽእሎ የብሉን" ይብል'ሞ፡ ነቶም ብርክት ዝበሉ ቤተ መዘክር ስነ እንስሳ ዘለው ኣሽሓት ሰነዳት ይነጽጎም።

ብዛዕባ እቲ ምርኢት ብዳይሬክተር እቲ መካነ እንስሳ ዝተጻሕፈ ዛንታ ግን ኣብ ሕታም እቲ ቤተ መዘክር ስነ እንስሳ ይርከብ።

"ኦታ ቤንጋ ትኹረት ህዝቢ ኒውዮርክ ዝስሕብ ስለ ዝነበረ ኣብዚ ግዜ ኮይንካ ኩሉ ክብሃል ይከኣል'ዩ፤ ግን ድማ ኩሉ ብጽቡቕ ዕላማ ዝተገብረ'ዩ" ኢሉ።

'ምሕዝነት ምሩኽን ሓላዊ ምሩኽ'

ብ1992፡ ወዲ ወዱ ንሳሙኤል ቨርነር [ብረት ተዓጢቑ ናብ ኮንጎ ብምኻድ ንኦታ ቤንጋ ጨውዩ ናብ ኣመሪካ ብምምጻእ ምስ ካልኦት ቖልዑት ኣብ ምርኢት ሉዊስ ፌየር ብ1904 ዘቐረቦ] ምስ ኻልኣይ ኮይኑ ሓደ መጽሓፍ ጽሒፉ።

እዚ መጽሓፍ ኣብ መንጎ ቨርነርን ኦታ ቤንጋን ዝነበረ ምሕዝነት የዘንቱ።

እቲ ጸሓፊ፡ ኦታ ቤንጋ፡ ተገዲዱ ናብ ኣመሪካ ከምዝመጽኣን እንተኾነ ግን፡ ኣብ ኒውዮርክ ብዘቕርቦ ዝነበረ ምርኢት ሕጉስ እዩ ነይሩ ይብል።

ስለዚ እቶም ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ብዘይንሕስያ ንኦታ ቤንጋ ዘሰራጠዩን ዝገዝኡን ትካልን ውልቀሰብን ከምኡ ካልኦት ሰዓብቶም እቲ ታሪኽ ሰኒዖም ንዓለም ክነግሩ ጸኒሖም።

ሕጂ'ውን ሚስተር ሳምፐር "ንመዓልታት" ንኦታ ቤንጋ ንምርኢት ምቐራቡ ይቕሬታ ክሓትት እንከሎ፡ ነቲ ንሰለስተ ሳምንታት ኣብ መካነ እንስሳ ኣህባይ ዳጒኑዎ ምጽንሑ ግን ዝብሎ የብሉን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መካነ እንስሳ ብሮንክስ ብዛዕባ ዝርዝር መዓልታዊ ምንቅስቓሳት ኦታ ቤንጋን እቲ ማሪኹዎ ዝነበረ ሰብን ዝገልጽ ሓበሬታ ኣውጺኡ ኣሎ።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ 'ዘደንቕ ህይወት ኦታ ቤንጋ' ዝብል መጽሓፍ ዝተጠቐሱ'ዮም።

እቲ መጽሓፍ ካብ ዝሕተም ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ፤ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ መካነ እንስሳ ክሳብ ሕጂ ጣዕስኦም ንምግላጽ ኮነ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ንምሃብ ቅሩባት ኣይነበሩን።

ሕጂ ግን፡ ፕሬዝደንት ማሕበረሰብ መካነ እንስሳ መሮር ክሪስቲያን ሳምፐር "በቶም ዝፍጸሙ ዝነበሩ ነገራት ብዙሓት ሰባትን ወለዶታትን ብምጉድኦምን ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ይቕሬታ ንምሕታት ኮነ ነዚ ተግባር ንዝፈጸሙ ሰባት ንምኹናን ስለ ዝዘንጋዕና ብልቢ ዝተሰምዐና ጣዕሳ ይገልጽ" ኢሉ።

ንኦታ ቤንጋ ናብ ምርኢት ንዘቕረቡ ክልተ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ማዲሰን ግራንትን ሄነሪ ፌየርፊልድ ኦስቦርን ኾኒኑ።

ክልቲኦም ፍሉጣት ኣመሪካውያን ተሓለቕቲ ዕቀባ ሓድግን ኣማኸርትን'ዮም ነይሮም።

ማዲሰንት ግራንት 'The Passing of a Great Race' ዝተሰምየ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ሰብ እዩ።

ኦስቦርን ድማ ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ኣመሪካ ን25 ዓመታት ዝመሰርሐ ኮይኑ፡ ብ1921 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካልኣይ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ስነ ምምሕያሽ ዓሌት ሰብ ኣዳልዩ ነይሩ።

ፕሬዝደንት ማሕበረሰብ መካነ እንስሳ መሮር ክሪስቲያን ሳምፐር ይቕሬታ ክሓትት እንከሎ ግን ሽም ዊልያም ሆርናደይ ኣየልዓለን።

እዚ ሰብ መስራቲ ዳይሬክተር እቲ መካነ እንስሳን ክኢላ እቲ ዓውድን ከምኡ'ውን ኣብ ዋሽንግተን ዳይሬክተር ሃገራዊ መካነ እንስሳን ዝነበረ እዩ።