እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍሪቃ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሐዙ ሰባት ናብ 1.2 ሚልዮን ተጸጊዑ
ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ናብ 1.2 ሚልዮን ከም ዝተጸገዐ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ገሊጹ፡፡
እቲ ማእከል (ሲዲሲ) ከም ዝገለጾ፡ ብዝሒ መልከፍቲ 1,196,710፣ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ድማ 28,014 ዝበጸሐ ኮይኑ 922,833 ሰባት ድማ ካብቲ ቫይረስ ድሒኖም ኣለዉ፡፡
611,450 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለውዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣህጉር ዝለዓለ መልክፍቲ ዘመዝገበት ኮይና ግብጺ ድማ ብ97 ሽሕን 478 መልከፍቲ ኣብ ካልኣይቲ ደረጃ ተሰሪዓ፡፡
ሃገራት ሞሮኮ (53,252)፣ ናይጄርያ (52,548)፣ ጋና (43,622)፣ ኣልጄርያ (42,302)፣ ኢትዮጵያ (42,143)፣ ኬንያ (32,803) መልከፍቲታት ብምምዝጋብ ቀጺሎም ዘለዉ ደረጃታት ዝሓዛ እየን፡፡
ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ሰሜናውን ምዕራብን ኣፍሪካ ዝለዓለ መለክፍቲ ክምዝገብ እንከሎ ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድማ እቲ ዝነኣሰ መልክፍቲ ዝተመዝገበሎም እዮም፡፡
ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምምርማር ዓቕመን ከዕብያን ኣሰር እቲ ቫይረስ ምስ ዝተረኸቦም ዝተናኸፉ ሰባት ብዝግባእ ክፈልያን ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ፡፡