ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ናብ ሱዳን ምብጻሕ ክገብር እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ’ዚ ሰሙን ናብ ሱዳን ምብጻሕ ክገብር ወጢኑ’ሎ።
እዚ ድማ ምልክት ናይ’ቲ ዝመሓየሽ ዘሎ ርክብ ክልቲአን ሃገራት እዩ።
ሱዳን ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ መዝገብ ኣመሪካ ‘ንሽበራ ድጋፍ ትገብር እያ’ ብዝብል እያ ሰፊራ ትርከብ።
እዚ ድማ፡ ናይ ዕዳ ስረዛ ክትረክብን ዓለማዊ ወፍሪ ክትስሕብን ከጸግመላ እዩ።
እንተኾነ፡ እቲ ሕጂ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ሱዳን ካብ’ዚ መዝገብ ክትወጽእን እቲ ተሃስዩ ዘሎ ቁጠባኣ ክመሓየሽን ተስፋ ኣለዎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ማይክ ፖምፒዮ ናብ እስራኤል ድሕሪ ምብጽሑ እዩ ናብ ሱዳን ክኸይድ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ፖምፒዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ከምኡ ድማ ምስ ኣቦወንበር ሉዑላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኤል-ቡርሃን ክራኸብ ከምዝኾነን፡ ነቲ ብስቪላት ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ ዝግበር ድጋፋት ክዘራረቡ ምዃኖም ተጠቒሱ’ሎ።
ከምኡ ድማ፡ ንምምሕያሽ ርክብ እስራኤልን ሱዳንን ድጋፉ ክገልጽ ምዃኑ’ውን ተጠቒሱ እዩ።
ኣብ ለካቲት፤ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ናብ ኡጋንዳ ምብጻሕ ክገብር እንከሎ ምስ ጀነራል ቡርሃን ተራኺቡ ነይሩ።
ሽዑ ድማ፡ ርክባቶም ንከመሓይሹ ከምዝተሰማምዑ ኔታንያሁ ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ፡ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንዝገበረኦ ስምምዕ ሰላም ‘ኣገዳሲ ስጉምቲ’ ክብል ዝገለጾ ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ካብ መዝነቱ ተኣልዩ እዩ።
እዚ ኮይኑ’ውን ግን፡ ምብጻሕ ፖምፒዮ ናብ ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ከመይ ከምዝተመሓየሸ ዘርእይ እዩ።
እቲ ርክብ ክሕርፍፍ ዝጀመረ ኣብ እዋን መዝነት ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ምስተዓለወ ግን ነገራት ክመሓየሹ ጀሚሮም እዮም።
መራሒ ኣል-ቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ሱዳን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተቐመጠ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኣል በሽር እዩ ኣጋይሽዎ።
ኣብ 2000፡ ሓንቲ ናይ ኣመሪካ ወተሃደራዊት መርከብ ኣብ የመን መጥቃዕቲ ተፈጺምዋ፡ 17 መርከበኛታት ኣመሪካ ተቐቲሎም እዮም።
እቶም ክልተ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ሱዳን ዝሰልጠኑ ብምንባሮም ድማ፡ ኣመሪካ ንሱዳን እያ ተሓታቲት ገይራ።
ሱዳን፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንስድራ እቶም ግዳያት ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ እያ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

