ተጻባእቲ ሓይሊታት ሊብያ ተኹሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም

ወታሃደራት ደገፍቲ ሓይሊታት ከሊፋ ሃፍጣር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ተጻባእቲ ሓይሊታት ሊብያ ብግዝያዊነት ተኹሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም።

ዋና ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ማእከሉ ዝገበረ ዓለም ለኻዊ ቅቡልነት ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ፡ ኣብ ዝቕጽል መጋቢት መረጻ ክካየድ 'ውን ጸዊዑ ኣሎ።

ዝበዝሕ ምብራቓውን ደቡባውን ክፋል ሊብያ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ደገፍቲ ጀነራል ከሊፋ ሃፍጣር ነቲ ብግዝያውነት ውግእ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ተቐቢሎምዎ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኮሎኔል ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ 2011 ብኔቶ ብዝድገፉ ሓይሊታት ካብዝእለ ንዳሓር፡ ሊብያ ሰላም ኣይረኸበትን።

ቀንዲ መተሓላለፊት ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ዝኾነት ብሃፍቲ ነዳዲ እትፍለጥ ሊብያ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንጺ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ'ውን ምክፍፋል ፈጢሩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተነበረ እገዳ ጥሒሳ እያ ዝበለት ፈረንሳ፡ ብጊዝያዊነት ካብቲ ኔቶ ኣብ ባሕሪ ዘከይዶ ስራሕቲ ሓለዋ ወጺኣ እያ።

መራሒ መንግስቲ ሊብያ ፋየዝ ኣል ሳራጅ ኣብ ፌስቡከ "ኩሎም ሓይሊታት ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ከብሉን፡ ኣብ ኩሉ ግዝኣታት ሊብያ ዝካየድ ስርሒት ጠጠው ክብልን መምርሒ ወሪዱ ኣሎ" ምስበለ፡ ካብ ጀነራል ከሊፋ ሃፍጣር ዝተውሃበ ቐጥታዊ መልሲ ኣይነበረን።

ኮይኑ ግና ደጋፊ ጀነራል ሃፍጣር ዝኾነ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ዘሎ ፓርላማ ተኹሲ ጠጠው ከምዘብል ገሊጹ እዩ።

ደሃፊ ጀነራል ሃፍጣር ዝኾነ ፕረዚደንት ግብጺ ኣብዱል ፈታሕ ኣልሲሲን ሕቡራት ሃገራትን 'ውን ነቲ ስምምዕ ደጊፎምዎ እዮም።

ሃገራት ቱርኪ፣ ጥልያንን ቀጠርን ነቲ ኣብ ትሪፖሊ ማእከሉ ዝገበረ መንግስቲ ሊብያ እንትድግፋ፡ ሩስያ፣ ግብጽን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ድማ ምስ ጀነራል ከሊፋ ሃፍጣር ዝወገና ሃገራት እየን።