ሰባት ነቲ መስሓቕ ሓሰማ በርሊን ንምድሓን ይቀዳደሙ

ምንጪ ስእሊ, Adele landauer
ኤልሳ፡ ኣብ ዓለምና ዳርጋ እታ ውርይቲ መፍለስ ኮይና ኣላ። ብህቡብነታ ዘጥረየቶም ደገፍታ ካብ ሃደንቲ ከድሕንዋ ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለው።
ኤልሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ጀርመናዊ ሰብኣይ ጥራሕ ነብሱ ኮይኑ ጸሓይ ክጽሎ እንከሎ፡ እታ መፍለስ ነታ ላፕቶፕ ሒዛ ዝነበረት ሕብራዊት ብጫ ሳንጥኡ መንጢላ ምስ ሃደመት ደድሕሪኡ ክትገዩ ስለ ዝረኣዩዋ እዩ እቲ ስም ተዋሂብዋ።
እታ መፍለስ ኮምፒዩር ሒዛ ምስ ደቃ ክትሃድም፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ንብረቱ ከምልስ ጥራሕ ነብሱ ክጎዩ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ምስ ተዘርግሐ ኣቓልቦ ብዙሓት ረኺቡ።
ኣብዚ እዋን ግን ሰብ መዚ እቲ ከባቢ፡ ነታ መፍለስ ምስ ካልኦት መፋልስ ክሕይርዋ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም።
እተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ መፋልስ፡ ንሰባት ከም ዘይፈርሓን እቶም ሰባት ከኣ ኣብቲ ከባቢ ከምድላዮም ከም ዝንቀሳቐሱን ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ይሕብሩ።
እቶም ሓለፍቲ፡ ኣብ ከባቢ ቶውፈሎሲ-ከባቢ በርሊን፡ ብዙሓት መፋልስ ከም ዘለዉን፡ እቶም መፋልስ ድማ ኣብ ደቂ-ሰባት ሕማምን ክሕልፉ ስለ ዝኽእሉ ክእለዩ ኣለዎም ዝብል ስምዒት ኣለዎም።
ኣብ በርሊን፡ ዓመታዊ፡ ከባቢ 2000 ሽሕ ዝኾኑ መፋልስ ብሃደንቲ ይቕተሉ።

ምንጪ ስእሊ, Shutterstock
እንተኾነ፡ እዛ ኤልሳ ተባሂላ ተጸዊዓ ዘላ መፍለስ ክሳብ ደቃ ዝዓብዩ ብዝኾኑ ሃደንቲ ከም ዘይትቕተል ሰብ መዚ ስነ-ኣግራብ እቲ ቦታ ገሊጾም።
ብተወሳኺ እቶም እንስሳታት ብኽብሪ ክተሓዙ፤ ግን ሰባት መግቢ ከይህብዎም ሓቢሮም።
ኣብ ከባቢ በርሊን፡ መፋልስ ቱፋሕን እምበቲቶን ከም ዝወሃቦም 24 (ትዌንቲ-ፎር) ዝተባህለ ማዕከናት ዜና ይገልጽ።
ዝሓለፈ ሰንበት፡ ብዙሓት ሰባት ንመፍለስ ኤልሳን ደቃን ንምድሓን ኣብ ግሩንዋለደ ኣድማ ገይሮም ነይሮም።
ብመርብብ ሓበሬታ ዝተገብረ ጎስጓስ ድማ ከባቢ 9000 ፈርማ ተኣኻኺቡ።
እቶም ሰባት "ነታ ደረቕ ግን ከኣ ሕያወይቲ መፍለስ ተኸናኸንዋ" ኢሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።
Content is not available
View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።End of Facebook post
ካብቶም ነቲ ፈርማታት ኣብ ምእካብ እትነጥፍ ጀኒን ፓስቱለር፡ ኤልሳ ብሰላማዊ መገዲ ኣብቲ ፓርክ ክትነብር ይግባእ ክትብል ትካታዕ።
እታ መፍለስ ኣብ ሰባት ዝኾነ ስግኣት ከም ዘይትፈጥር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዘጋጠመ ኩነታት ክንርድኦ ንኽእል ኢና ከኣ ትብል።
ነቲ ሰብኣይ ሓደጋ ከተብጽሓሉ ትኽእል ነይራ፤ ግን ከምኡ ኣይገበረትን። እዚ ኸኣ መርኣያ ሰላማውነታ እዩ ኢላ።
ኣብ ቀረባ መዓልታት ጀርመናውያን ካልእ ፍልይ ዝበለ ፍጻሜ ኣጋጢሙዎም ነይሩ።
ሓደ ካልእ ተባዕታይ ሓሸማ ካብቲ ቦታ ጠፊኡ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ክሕምብስ ብቪድዮ ካሜራ ሓለፍቲ መገዲ ተሳኢሉ።
ሓደ ሰብኣይ ነቲ ዝሕምብስ ዝነበረ ሓሰማ ብባዴላ ገይሩ ይደፍኦ ስለ ዝነበረ እቶም ኣብቲ መናፈሻ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት ግደፎ ይኺድ እናበሉ ጨዲሮም።
ኣብ መወዳእታ እውን ነቲ ሰብኣይ በቲ ዝገበሮ ክሲ መስሪቶምሉ ኣለው።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
