እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝተወለዐ ጎንጺ 127 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ሲቪላውያንን ብዝተፈጥረ ግጭት 46 ወታሃደራት ዝርከብዎም 127 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣፈኛ ሰራዊት ሜጀር ጀነራል ሉል ሩዋይ ገሊጹ።
እቲ ግጭት፡ ወታሃደራት መንግስቲ ነቶም ሲቪላውያን ሰባት ዕጥቆም ከውርዱ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከም ዝተወለዐ ተፈሊጡ።
ኣብታ ሃገር ብሚልዮናት ዝቑጸር ብረት ኣብ ኢድ ሲቪላውያን ሰባት ከምዘሎን፡ ኣብቲ ብቐጻሊ ዝረአ ማሕበረሰባዊ ግጭታት ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ምጽንሑን ይፍለጥ።
መንግስቲ ህዝቢ ዕጥቁ ከውርድ ኣብ ምግባር ከቢድ ብድሆ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ይንገር።
ሓድነታዊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ናይ 6 ዓመታት ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ’ዩ ቆይሙ።
ኣፈኛ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ከምዝበሎ፡ ዕጡቓት መንእሰያት ክልተ ግዜ ብለይቲ ንመዓስከር ሰራዊት ኣትቂዖም።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተወለዐ ግጭት ድማ ንሰዓታት ቀጺሉ፡ ብሰንኪ’ዚ ልዕሊ 127 ሰባት ተቐቲሎም።
እዚ ኣብ ዞባ ዋራፕ ኣብ ዝርከብ ቶንጅ ዝተባህለ ከባቢ ዘጋጠመ ግጭት፡ መርኣያ ናይቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ብድሆ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብታ ከብቲ ካብ ገንዘብ ዝለዓለ ክብሪ ዝወሃበላ ሃገረ ደቡብ ሱዳን፡ ሰባት ንጥሪቶም ካብ ዝምታ ተቐናቐንቲ ማሕበረሰባት ንምሕላዉ፡ ብረት ክዓጥቁ ይግደዱ።
ካብ መንግስቲ ዘተኣማምን ናይ ጸጥታ ውሕስነት ክሳብ ዘይረኸቡ ድማ፡ ዕጥቆም ንምፍታሕ ቀሊል ከምዘይከውን’ዩ ዝግለጽ።
እቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ተበግሶ ብዘይ ልዝብን ብታህዋኽን እንተ ተገይሩ፡ እቲ ኩነታት ክጋደድ ከምዝኽል’ውን ሻቕሎት ኣሎ።