ፕረዚደንት ቻድ ናይ ፊልድ ማርሻል ወታሃደራዊ ማዕርግ ተዋሂብዎ

ፕረዚደንት ቻድ

ምንጪ ስእሊ, @MIdrissDebyItno

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ፓርላማ ቻድ ንፕረዚደንት ኢድሪስ ደብዒ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ዘመዝገቦ ዓወት ናይ ፊልድ ማርሻል ማዕርግ ሂብዎ።

እቲ ወታሃደራዊ ማዕርግ፡ ብኣጋጣሚ እቲ ትማሊ ዝተኸበረ መበል 60 ዓመት ብዓል ናጽነት እታ ሃገር’ዩ ተዋሂቡ። ቻድ ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ’ያ ናጽነታ ረኺባ።

ፊልድ ማርሻል ኣብታ ሃገር እቲ ዝለዓለ ወታሃደራዊ ማዕርግ እዩ።

ኣፈጉባኤ ፓርላማ ከምዝበሎ፡ በቲ ፕረዚደንት ደብዒ ኣብ ማዝያ ኣብ ልዕሊ እስላማውያን ዕጡቓት ዝወሰዶ ናይ ምጥቃዕ ስርሒታት ነቲ ማዕርግ ክወሃቦ ከምዝተወሰነ ተዛሪቡ።

“ምስልን ትእምርትን ቻድ ኢኻ” ክብል ኣፈጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ሃሩን ካባዲ ኣብ ኣብቲ ጽምብል ኣብ ዘስምዖ መደረ ገሊጽዎ።

ፕረዚደንት ኢድሪስ ደብዒ ብወገኑ፡ ነቲ ዝረኸቦ ክብሪ “ንኹሎም መቃልስተይ ኣሕዋተይ” ዝበሎም ከምዘወፈዮ ተዛሪቡ።

“ስግኣት ሽበራ ሕጂ’ውን ኣሎ፡ ንሕስያ ዘለዎ ድማ ኣይኮነን …. ቃልሲ ኣንጻር ሽበራ ናይ ግድን’ዩ፡ ካብ ቀንዲ ጉዳያትና ኮይኑ ከኣ ክቕጽል’ዩ” ኢሉ።

ነዚ ሓድሽ ማዕርጉ ድማ ኣብቲ ዝጸንሐ ናይ ትዊተር ኣካውንቱ ብምእታዉ ኣሐዲስዎ ኣሎ።

ኣብ ብዙሓት ሃገር ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ኣብ ኲናት ፍሉይ ቅያ ንፈጸሙ ኣርባዕተ ኮኾብ ዘለዎም ጀነራላት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ብ5 ኮኾብን በትረስልጣንን ዝወከል’ዩ።

ኢድሪስ ደብዒ፡ ወታሃደራዊ ድሕረባይታ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ 1990 ነታ ሃገር ዝመርሓ ምዃኑ ይፍለጥ።