ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንሓምሻይ ዓመት መዓልቲ ሓርበኛታት ዘኪሮም

Published

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ምእንቲ ናጽነትን ልዑላውነትን ክቡር ህይወቶም ዝወፈዩ ሰማእታትን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታት፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብኮቪድ ንዝተፈልዩ አሕዋት ብሓባር ብዙም (ማንዛዊ መራኸቢ) ጸሎተ ሕልና ብምብጻሕ ንመበል ሓሙሻይ ዓመት ዝኽሪ ዕለተ ሓርበኛታት ዘኪሮም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ግዱሳት፡ ነዚ ኣብ ታሪኹ ከቢድ ፈተነን ብደሆን ዝሰገረን ዝሰግር ዘሎን ክቡር ህዝቢ ኤርትራን ደቁን፡ ሓንቲ መዓልቲ ካብ ዓመት፡ ጽንዓቱን መኸትኡን ዝገልጸላ፡ ተካእቲ ወለዶታትና መወከሲ ቅያን ጀግንነትን ኣቦታቶም ዝሰምዑላ፡ ንሓርበኛታትና ብሓባር የቐንየልና እንብለሉ ዕለት ተድሊ እያ ዝብል ሓሳብ ኣንቂሎም ድሕሪ ምዝታይ እዮም ቀዳመይቲ ሰሙን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከብዕሉዋ ተሰማሚዖም።

“ስለምንታይ ግን መዓልቲ ሓርበኛታት?” ንዝብል ሕቶ፡ ክጅምሩ እንከለው፡ ዘልዓሉዎ ሕቶ እዩ።

ሓንቲ ሃገር፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዋጋ ዝኸፈሉ፡ ንእስነቶም፡ ግዜኦም፡ ጉልበቶም፡ ዓቕሞም፡ ኩለንትንኦም ዝወፈዩ፡ ከም ሓርበኛታቱ ይዝክሮም የኽብሮምን።

ስለዚ ነቶም ኣብ ዕድሚኦም ምእንቲ ህዝቦም ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ፡ ወይ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ዝገበሩ ሰባት፡ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት መሪጽና “የቐንየልና” ክንብሎም ኣገዳሲ እዩ - ክብሉ ዘትዮም።ስለምንታይ እዩ’ኸ ንሓርበኛታትና የቐንየልና ክንብሎም ዘድሊ? ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒሎም እዮም።

እቲ ንእሽቶ ወለዶ፡ ንሃገርን ህዝብን ግዜኦም፡ ጉልበቶም፡ ኩለንትነኦም ዝወፈዩ ሓርበኛታት ሃገሩ፡ ሰማእታቱን ሓርበኛታቱን ክኽበሩ፡ ክድነቑ፡ ክፍቀሩ ክርኢ እንከሎ፡ ንሱ እውን ንታሪኾም ክወርሶን ኣሰሮም ተኸቲሉ፡ ኣብ ዕድሚኡ፡ ግዜኡ፡ ብዝተፈላለየ ሞያን ዓውድን፡ ብሕክምና፡ ብኢንጂነሪንግ፡ ብቴክኖሎጂ፡ ብሳይንሳዊ ምርምር፡ ብትምህርቲ፡ ኮታ ብኹሉ ከበርክቶ ዝኽእል ዓውዲ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዓቕሙን ክእለቱን ክገብር ክተባባዕ ዓቢ ዕድል እዩ ዝኸፍት።

እተን መዓልቲ ሓርበኛታት ዘለወን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ህዝባውን ሃገራውን በዓላተን ንሓርበኛታተን ብኽብሪ ይዝከረኦም።

ሰበ ስልጣን መንግስትን ማሕበራውያን ትካላትን ሓርበኛታቶም ንዝገበሩዎ ኣፍልጦ ሂቦም የቐንየልና ይብልዎም፡፡

ኣብ ኤርትራ ዛጊት ንሓርበኛታት ዝዝክር ሃገራዊ መዓልቲ ስለዘየሎ እዮም እዞም ኣብ ግዳም ዝነብሩ ዜጋታት ክሳብ ሓደ መዓልቲ መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ዝሰምን ንኽብሮም ዝበቅዕ መደባት ዝኽርን ኣፍልጦን ዝሰርዕ ግዝያዊት መዓልቲ ዝኽሪ መሪጾም ኣብ ሃገራት ስደቶም ከብዕሉዎ ወሲኖም።

ገዲም ተጋዳላይ ፈለማ ሰብዓታት ናዝራዊ የማነ፡ ኣብ ልቢ ብዙሓት ዜጋታት ስለምንታይ መዓልቲ ሓርበኛታት ዘይህልወና ዝብል ሓሳብ ስለዝነበረ እቶም ግዱሳት ተኣኻኺቦም፡ ኣየነይቲ መዓልቲ ንምረጽ ኢሎም ምስ ዘተዩ፡ ኣብ 1974 ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ንዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ዓበይቲ ዓድን ካህናትን ኣብ መንጎአም ኣትዮም ንዝዓረቑዎም ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ከም ኣብነት ወሲዶም ከብዕሉዋ ከምዝጀመሩን ንኹሎም እቶም ክሳብ ሕጂ ዓቲቦም ዝቕጽልዎ ዘለው ገዳይም ጀመርቲ ማሕበር ኣመስጊኑ።

ሎም ዘበን ኮቪድ ብዘስዓቦ ምኽንያት ኩሉ ህዝባውን ሃገራውን በዓላት፡ ተወንዚፉ ወይ ከኣ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙም ብርሕቐት ይበዓል ብምህላው፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም፡ ኣሜሪካ ኣውስትራልያ ኤውሮጳን ዝተራኸቡ ሃገራውያን ግዱሳት ነታ ዕለት ዘለዎም ዝኽርን ኣኽብሮትን ብምግላጽ ንኣሰናዳእቲ እቲ መደብ ኣመስጊኖም።

ኣብ መኽፈቲ እቲ በዓል ካብ ኣሰናዳእቲ እቲ መደብ ወይዘሮ ሉኡል ስዩም ንኣገዳስነት እቲ ማሕበር ዝምልከት ሕጽር ዝበለ መእተዊ ብምሃብ እታ ዕለት ብኸመይ ከምዝጀመረትን እቲ ዝርገሐ ሓሳባት ኣብ ከመይ ደረጃ ከምዘሎን ኣካያዲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ገዲም ተጋዳላይ ዮውሃንስ ጸጋይ መብርሂ ሂቡ።

ብድሕሪኡ መድረኽ ንኹሎም እቶም ብኣገዳስነት እታ ዕለት ክዛረቡ ዝደልዩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ተኸፊቱ ብዙሓት ከኣ ብኣገዳስነት እታ ዕለትን ህሉው ኩነታት ሃገርን ረርእይቶኦም ኣቕሪቦም።ክልተ ተዘክሮታት መጻሕፍቲ ቃልሲ ዝጸሓፈ ገዲም ተጋዳላይ ፈለማ 60-ታት ዓሊ መሓመድ ሳልሕ፡ “ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮም ገዳይም ተጋደልቲ፡ ደጊም ዕድመ ደፊኦም ይሽምግሉ ስለዘለው እቶም ክእለት ዘለኩም ጸሓፉ” ክብል ዝኽእል ዘበለ ታሪኽ ክስንድን ክጽሕፍን ተማሕጺኑ።

ነዊሕ ሱርን ታሪኽን ዘለዎ ሓርበኝነት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ኣርብዓታት ነዛ ሕጂ እንሕበነላ ኤርትራና ብክቡር መስዋእትን ቃልስን ካብ ምምቕቓል ኣድሒኖም ስለዘረከቡና ክብሪ ከምዝግበኦም ዝገለጸ ተጋዳላይ ኣሰፋው በርሀ፡ እዚ ሕጂ ብግዱሳት አሕዋት ጀሚሩ ንሓምሻይ ዓመቱ ዝበዓል ዘሎ መዓልቲ ሓርበኛታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ኤርትራ ብልዑል ክብሪ ክበዓል ክርኢ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ካብቶም ማሕበር ሓርበኛታት ንክህሉ ምስ መሰልታ ዝተቓለሰት ኪኪ ጸጋይ እውን “ ንሓርበኛታትና ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት የቐንየልና ክንብሎም ግቡእ እዩ - ስለዝኾነ ኩሉ ሓላፍነት ዝስመዖ ነዛ ዕለት ህያው ንምግባራ በብዓቕሙ ክዋሳእ ጸዊዓ።

“እዞም ንኽብሪ እዛ ዕለት ንተኣኻኸብ ዘሎና ግዱሳት ብጾት ነዛ ዕለት ኪነው ዝኽርን ክብርን ኣብ ውሽጥን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንዝርከቡና ስንኩላን ሓርበኛታትና እንሕግዘላ ማሕበር ንምግባራ፡ ሕጋዊትን ወግዓዊትን ማሕበር ንምግባራ ክንጽዕር ይግባእ”።

ብዙሓት ካብቶም ተሳተፍቲ ከኣ ንኣገዳስነት እታ ዕለትን ቀጻልነታን ብዝምልከት ሃናጺ ርእይቶታት ኣቕሪቦም ንዓመታ ሃዋሁው ኮቪድ ምስተኣልየ ኣኣብ ዝነብሩሉ ሃገር ኣብ ሓደ ኣደራሽን ብፍሉይ ድምቀትን ከብዕልዎ ምንዮቶም ገሊጾም።