ኤርትራ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑ 14 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ኤርትራ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑ 14 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።
ኣብ መወሸቢ ማእከላት ኣዲባራን ግርማይካን ዝጸንሑ 14 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዝጸንሑ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
እቶም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝጸንሑ ሰባት 13 ኣብ ኣዲባራ 1 ድማ ኣብ ግርማይካ ምኳኖምን ኩሎም ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ምዃኖምን እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽባርካ ሕክምና ክግበረሎም ዝጸንሐ 34 ሕሙማት ጥዕንኦም ናብ ንቡር ኩነታት ተመሊሱ ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነው'ውን ተገሊጹ። በዚ ድማ ድምር ካብ ኮቪድ-19 ዝሓወዩ ሰባት 225 ኮይኑ ምህላው እቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ይገልጽ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ድምር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ዝተረጋገጸ ሰባት 279 በጺሑ ኣሎ።
ኤርትራ ዛጊት ክንደይ መርመራ ላቦራቶሪ ኮቪድ-19 ከም ዝገበረት ኣይትገልጽን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
