ኣብ ምጽናት እትርከብ ቀታሊት ዓሌት ዓሳ ነባሪ ደጊማ ጠኒሳ- ተመራመርቲ

ምንጪ ስእሊ, KEN BALCOMB, CENTER FOR WHALE RESEARCH
እዛ ንሰባት ብምቕታል እትፍለጥ ኣንስተይቲ ዓሳ ነባሪት ንዝሞተ ውላዳ ን17 መዓልታት ዝኣክል ሓዚላ ልዕሊ 1600 ኪሎ ምትሮ ከምዝተጉዓዘት ተመራመርቲ ሓቢሮም።
እቶም ሊቃውንቲ ፡ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት [ድሮን] ብዝተኸታተልዎ መሰረት እዮም ብዛዕባ እዛ ቐታሊት ዓሳ ነባሪት ኣጽኒዖም።
ቴሌኳ እናተብሃለት እያ እትጽዋዕ። ንዓኣ ሓዊሱ ሰለስተ ዓይነት ዓሳ ነባሪ ጠኒሰን ኢሎም።
እዘን ቀተልቲ ዓሳ ነባሪ፡ ዝሞተ ውላዳን ንሓደ ሰሙን ተሸኪመን ብምዛር እየን ዝፍለጣ።
እዚኣ ግን፡ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ሓዚላ ትዛወር ኣላ፤ እዚ ድማ ዘይተለምደ ምዃኑ እዮም እቶም ተመራመርቲ ዝገልጹ።
ቴሌኳ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰለስተ ዓሌታት ዓሳ ነባሪ ኮይኖም፡ ነፍሲ ወከፎም ናይ ኣስታት 72 እኩብ እዮም።
ኣብ ማያት ዋሺንግተን ዲሲን ኣብ ደቡባዊ ጫፋት ቫንኮቨር ዝበሃሉ ደሴታት ካናዳን እዮም ዝርከቡ።
ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ዓሌታት ዓሳ
ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን፡ እዞም 'ደቡባዊ ቀተልቲ ነባሪ ዓሳ'፡ ከም ዓሌት ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ኢሎም እዮም መዝጊቦሞም።
ሲያትል ታይመስስ ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሓን ከምዝጸብጸቦ፡ ሓደ ካብቶም ኣብዞም እንስሳት ኣትኲሩ ዝሰርሕ ጉጅለ ተመራመርቲ ዝኾነ ጆን ደርባን፡ ኣብ ዘካይዶ መጽናዕቲ ምስልታት እቶም ዓሌት ዓሳ አተኣኻኺቡ ኣሎ።
እቶም ኣሳእል፡ ካብቶም ዓሳ ነባሪ ኣስታት 30 ሜትሮ ርሕቐት እዮም ተዋሲዶም ተባሂሎም።
እዞም ዓሌታት ዓሳ፡ ምጥናሶም ዘይልሙድ እንተኾነ'ኳ፡ እቶም ውሉዳት ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ትሑት እዩ ነይሩ- ይብሉ እቶም ተመራመርቲ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ እዛ ዓሌት ዓሳ ክትጠንስ ንፈለማ እዋን እዩ ተባሂሉ።
እቲ ሚድያ ከምዝበሎ ግን፡ ክልተ ዓሳ ነባሪ እዚ ቀታሊ ዓሌት፡ ዛጊድ ብህይወት ዝርከቡ ወሊዶም።
ዩኒቨርሲቲ ዋሺንግተን ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ናይዞም ዓሌት ምርባሕ ጠጠው ምባል፡ ምስ ምስኣን ምግቢ ብፍላይ ድማ ዝምገብዎ 'ቺኖክ ሳልሞን' ዝተብሃለ ዓይነት ዓሳ ቁጽሩ እናነከየ ምምጻእን ዝተኣሳሰር እዩ።
ገለ ጃልባታት ካብቲ ከባቢ ክርሕቑን፡ ንክራብሑ ናጻ ቦታ ክህብዎምን ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ቴሌኳ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2018፡ ዝሞተት ውላዳ ተሸኪማ ከምእትዘውር ምስተፈልጠ እያ፡ ቀልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒባ ነይራ።
እቲ ናይ ሕዚ ክስተት ግን፡ ንክንድዚ ዝኣከል መዓልታት ምውት ውላዳ ተሸኪማ ክትዘውር ንፈለማ እዋን እዩ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
