ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ኤንተርነት ተቛሪፁ

ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ፡ ሓሰን ዓሊ ካሂረ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ፡ ሓሰን ዓሊ ካሂረ
Published

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ፡ ሓሰን ዓሊ ካሂረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ መዝነቱ ምእላዩ ስዒቡ፡ ካብ ውሽጢ እታ ሃገርን ወፃእን ተቓውሞታት ይስምዑ ኣለዉ።

ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ሓሰን ዓሊ ካሂረ ዝተወሰደ ስጉምቲ፡ “ንሕገ-መንግስታዊ ሰረት” ሶማልያ ዘየኽበረ ክብል ዝኾነኖ እንትኸውን፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ፀጥታ ድማ “ፀሊም መዓልቲ” ክብል ገሊፅዎ።

ኣብ ዓለም ድሕነት ሳይበርን ዝርገሐ ኢንተርኔትን ዝቆፃፀር ኔትብሎክስ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኤንተርነት ከምዝተቛረፀ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓሊ ካሂረ ካብ 178 ኣባላት ባይቶ ብ170 ድምፂ’ዩ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ።

ኣብ ዝመፅእ ግዘ ንዝካየድ ፕረዚዳንታዊ መረፃ ብዝምልከት ኣብ ሞንጎ ሓሰን ዓሊ ካሂረን ዓብዱላሂ ፋርማጆን ናይ ስልጣን ንሕንሕ ከምዝነበረ እዩ ዝግለፅ።

እቲ ካብ መዝነቱ ዝተኣለየ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቀፃሊ መረፃ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ክካየድ ከምዘለዎ እንትገልጽ፡ ፕረዝደንት ናይታ ሃገር ፋርማጆ ግና፡ መረፃ ኣብ’ቲ ግዜ ንሱ ክካየድ ዝኽእል፡ ‘ነብሲ ወከፍ ሰብ ብቐጥታ ክመርጽ ብዝኽእለሉ መገዲ እንተድኣ ተዳልዩ ጥራይ እዩ’ ዝብል ቅዋም ኣለዎ።

ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ሶማልያ፡ እንዳታት ንኣባላት ባይቶ ይመርጹ’ሞ፡ ኣባላት ባይቶ ድማ ብግደኦም ፕረዚደንት ይመርፁ።

እንተደኣ ብቐጥታ መረፃ ክካየድ ኮይኑ፡ ብዙሕ ስራሕ ምውጋን ዘድልዮ ብምዃኑ፡ ግዜ ኣይኣክልን ዝብል ስግኣት ድማ ኣሎ።