ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓካይም ካብ ከብዲ ላሕሚ 50 ኪሎ ፕላስቲክ ኣውጺኦም

ሓካይም ምስታ ላሕሚ
Published

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ፡ ቦረና ኣብ ዝበሃል ዞባ፡ 6 ሓካይም እንስሳ፡ ካብ ከብዲ ናይ ሓንቲ ላሕሚ፡ 50 ኪሎ ግራም ዝምዘን ፕላስቲክ ኣወጊዶም።

ካብቶም ሓካይም ሓደ ዝኾነ፡ ዶ/ር ፍራኦል ዋቆ፡ ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ “እታ ላሕሚ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እያ ትርከብ” ኢሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዶክተር ፍራኦል፡ ከፍቲ ዝብላዕ ሳዕሪ እንድሕር ስኢነን፡ ፕላስቲክ ክበልዓ ይኽእላ እየን ይብል።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ሰባት ዝተጠቐምሉ ፕላስቲክ ዝድርብይሉ ኣገባብ፡ ንጥሪት ሓደጋ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ይዛረብ።

ካብታ ላሕሚ ዝወጽአ ፕላስቲክ

ወናኒ ናይታ ላሕሚ ዝኾነ፡ ኣቶ ኣሬሪ ጨሪ፡ ቅድሚ ሕዚ’ውን ፕላስቲክ ዝበልዐት ካልእቲ ላሕሚ ናብ ሕክምና ወሲዱ 20 ኪሎ ግራም ክውገደላ ከምዝተገብረ ተዛሪቡ።

“ቅድሚ ሕዚ ስለዝሓገዝናዮን ስለዝኣመነናን እዩ ንካልኣይ ግዜ ነዚኣ ሒዝዋ መፂኡ ዘሎ” ኢሉ ዶክተር ፍራኦል።

ህዝቢ ቦረና፡ ኣርባሕቲ እንስሳት ኮይኒም፡ ናብረኦም ኣብ እንስሳት ዝተመርኮዘ እዩ።