ሃግያ ሶፍያ፡ ካብ ቤት ክርስትያን ናብ መስጊድ፡ ካብ ቤተ-መዘክር ናብ መስጊድ

Published

ሎሚ ዓርቢ እቲ ናይ ስታምቡል መጀመርያ ቤት ክርስትያን፡ ድሓር መስጊድ ጸኒሑ'ውን ናብ ቤተ መዘክር ዝነበረ ህንጻ ሃግያ ሶፍያ ከም መስገድ ኮይኑ ንኣመንቲ ክፉት ክኸውን እዩ።

ኣመሓዳሪ ከተማ እስታምቡል የርልክያ ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኩሎም ኣመንቲ ኣዝዮም’ዮም ተሓጊሶም ዘለዉ፡ ኩሉ ድማ ኣብቲ ስነስርዓት ምኽፋት ክሳተፍ ብሃንቀውታ’ዩ ዝጽበ ዘሎ” ኢሉ።

እዚ 1500 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለማዊ ውርሻታት ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ህንጻ ካብ 1934 ጀሚሩ እዩ ከም ቤተ መዘክር ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ቤት-ፍርዲ ቱርኪ፡ ቤት መዘክር ዝነበረት ሃግያ ሰፍያ፡ እቲ ቦታ መስግድ እምበር ንካልእ መዓላ ክኸውን ሕጋዊ ከምዘይኮነ ሓበሩ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን፡ እቲ ቤተ መዝክር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ህንጻ ካብ 24 ሓምለ ጀሚሩ ከም መስጊድ ኮይኑ ከምዘገልግል ብወግዒ ኣዊጁ።

እንተኾነ፡ እቲ ውሳነ ብዓምለኻውያን መራሕቲ ሃይማኖትን ፖሎቲከኛታትን ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

እቶም ኣብቲ መኽፈቲ ስነስርዓት ዝሳተፉ ክኽተልዎ ዘለዎም ሕግታት

ኣመሓዳሪ ከተማ እስታምቡል የርልክያ፡ ተሳተፍቲ ካብ መልከፍቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንነብሶም ንኽከላኸሉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ፡ ርሕቀቶም ክሕልዉን ከምዘለዉ ሓቢሩ ኣሎ።

ንሱ ብምስዓብ፡ ኣብቲ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ብኣካል ተረኺቦም ንተግባራውነት እዚ ሕግታት ከምዝከታተሉ’ውን ጠቒሱ።

ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ቱርኪ ኣሎ ኢርባስ፡ እቲ መስጊድ ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ከእንግድ ከምዝኽል ብምሕባር፡ ኣብዚ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት’ውን ክንድኡ ዝኣኸሉ ሰባት ክሳተፉ ትጽቢት ከምዝግበር ሓቢሩ።

እቲ ቤት መዘክር ዝነበረ ህንጻ ገለ ምትዕርራያት ተገይርሉ 24 ሰዓታተት ንኣመንቲ ክፉት ከምዝኸው’ውን ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ቱርኪ ኣሎ ኢርባስ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብቲ ሎሚ ዝግብር ናይ ምኽፋት ስንስርዓት ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ክርከብ’ውን ትጽቢት ይግበር።

ውሳነ ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ንምንታይ እዩ ኣዛራራቢ ኮይኑ?

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዓቓባውያን ኣስላም እቲ ህንጻ ናብ መስጊድ ክቅየር ንነዊሕ እዋን እዮም ክሓቱ ጸኒሖም። ንሕቶኦም ምቅባል፡ ኢድካ ምሃብ’ዩ ብምባል ድማ ብዙሓት ነቲ ሓሳብ ውዱቕ ገይረሞ ጸኒሖም።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን፡ 10 ሓምለ እቲ ህንጻ ናብ መስጊድ ከምዝቕየር ምስ ሓበረ ካብ ሓየሎ ሰባት ተቓውሞ ኣስዒብሉ።

ጳጳስ ፍራንሲስ ሓደ ካብቶም ነቲ ውሳነ ዝተቓወሙ እዮም።

መራሒ ምብራቓዊት ቤተ-ክርስትያን ፓትርያሪክ ባርትወሞን ብወገኑ፡ እቲ ውሳነ ንሚልዮናት ኣመንቲ ክርስትና ዝቆጥዕ እዩ ብምባል ዘለዎ ተቓዉሞ ገሊጾም።

ቤት ምክሪ ናይ 350 ዓለምለካውያን ኣብያ ክርስትያን’ውን እቲ ውሳነ ብኣግኡ ደው ክብል ብምምሕጻን “ዘፈላሊ ውሳነ’ዩ” ክብል ነቂፍዎ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ግን ሃገሩ ልኡላዊ ውሳነ ከምዘለዋ ብምግላጽ ነቲ ውሳነ ሎሚ ተግባራዊ ይገብሮ ኣሎ።

“ድሕሪ 86 ዓመታት እዚ ህንጻ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከም መስጊድ ኮይኑ ከገልግል እዩ” ብምባል ኣብ ውሳነኡ ጸኒዑ።

ንሱ ብምስዓብ እቲ መስጎድ፡ ንኣመንቲ ምስልምና፡ ኣብ ምስልምና ንዘይኣምኑን ንበጻሕቲ ሃገርን ክፉት ከምስዝኸውን’ውን ሓቢሩ

ታሪኽ እቲ ህንጻ እንታይ ይመስል?

ሃግያ ሶፍያ ኣብ እዋን ግዝኣት ባዛንታይን ጁስቲና ኣብ 537 ቅድሚ 1500 ዓመታት እዩ ተሃኒጹ።

ኣብ 1453፡ ኦትማን ሱልጣን መሐመድ ካልኣይ ንስታምቡል (ኣብረቲ ግዜ ኮንስታንቲኖፖል እያ ትብሃል ነይራ) እታ ከም ካተድራል ናይ ኦርቶዶክስ ዝነብረ ህንጻ ሃግያ ሶፍያ፡ ዓርቢ ዓርቢ ከም መስጊድ ከገለግል ወሲኑ።

መስጊድ ንኽመስል ድማ ኣብ ኣርባዕተ ኩርንዓቱ ነዊሕን ቀጢን መአዘኒ ተሰሪሕዎ፡ ንእምነት ምስልምና ዝውክል ጽሑፋት ድማ ተገይርዎ።

ንዘመናት ከም መስጊድ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ኣብ 1934 ናብ ቤተ መሰክር ከምዝቅየር ተገይሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ቀንዲ መስሕብ በጻሕቲ ብምዃን ኣብ ዓመት ልዕሊ 3.7 ሚልዮን ባጻሕቲ ክነግድዎ ጸኒሖም።