እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ኣውስትራልያ ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ዕርቃና ኣውጺኦም ከምዝፈተሽዋ ተገሊጹ
ፖሊስ ከተማ ሲድኒ፡ ንሓንቲ ዕርቃና ኣውጺኦም ዝፈተሹዋ ጓል ወርሓዊ ጽግያታ ንምሓዝ እትጥቀመሉ “ታምፖን” ኣውጽእዮ ከም ዝበልዋ፡ ዝተኻየደ ምጽራይ ኣረጋጊጹ።
እቲ መርመራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣባላት ፖሊስ እታ ከተማ ዘካየድዎ ኣካታዒ ዝኾነ ኣገባብ ኣካላዊ ፍተሻ ንምጽራይ ዝዓለመ’ዩ።
እቲ ኣገባብ መብዛሕትኡ ኣብ ናይ ሙዚቃ ፌስቲቫላት ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ነተን ግዳያት ዘዋረደን ዘሕሰረን’ዩ ነይሩ ተባሂሉ።
ፖሊስ ዞባ ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ነቲ ጸብጻብ ብዕቱብ ከርእዮ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
ኮሚሽን ስነምግባር ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ሓይሊ ፖሊስ እታ ከተማ ንሓንቲ ካብተን በቲ ኣገባብ ዝተጸልዋ ደቂኣንስትዮ ይቕሬታ ክሓታ ጸዊዑ’ሎ።
ምስ ካልእ ተመሳሳሊ ጉዳይ ብዝተሓሐዝ’ውን ሓደ ኣባል ፖሊስ ካብ ስራሕ ደው ኢሉ ከምዘሎ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።
እቶም ጉዳያት ካብ ወለዲ ብዝቐረበ ጥርዓን ወይ ብሜድያ ድሕሪ ምቅልሖም’ዩ ክምርመሩ ተወሲኑ።
ሕጋውነት ናይቶም፡ ዕጸ-ፋርስ ንምርካብ ዝካየዱ ፍተሻታት ክደጋገም ዝጸንሐ ሕቶ’ዩ ይብል እቲ በቲ ኮሚሽን ዝወጸ ጸብጻብ።
እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?
ኣብ ሓደጋ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ጥሪ 2019፡ ፖሊስ ንክልተ መንእሰያት ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ኣፍደገ ሲድኒ ካሲኖ (ቤት ጠላዕ) ደዉ ኣቢሎም ፈቲሾመን።
ሓደ ካብቶም ኣባላት ፖሊስ ድማ፡ ንሓንቲ ካብኣተን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ብልዕታ ዝነበረ ናይ ወርሓዊ ጽግያት መዕቆሪ (ታምፖን) ኣውጽእዮ ኢሉዋ።
ውጽኢት ናይቲ መርመራ ከምዝበሎ፡ ንኣባላት ፖሊስ ሕጋውነት ናይቲ ተግባር ንጹር ከምዘይኮነ’ዩ ጠቒሱ።
በዚ ዝተላዕለ ድማ ካልኦት ፍጻመታት’ውን ክጻረዩ ዕድል ረኺቦም።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብ ሓደ ፌስቲቫል ምርኢት እተቕርብ ዝነበረት መንእሰይ፡ ኮስትሞኣ ኣውሪዳ ክትጉምባሕ ተኣዚዛ። ብድሕሪ’ዚ ደቂ-ተባዕትዮ ኣባላት ፖሊስ ክስሕቁላን ክላገጹላን ተሰሚዖም።
ኣብ ካልት ፌስቲቫል’ውን፡ ሓንቲ ጓል፡ ዕርቃና ወጺኣ ምስ ተፈተሸት፡ ኣብ ቃልዕ ብእግራ ኲይጥ ኢላ ኮፍ ብምባል ክትስዕል ተኣዚዛ።
ኣብ መብዛሕትኦም እቶም ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቕሱ ኣጋጣሚታት፡ ኣባላት ፖሊስ ዕርቃን ብምቕላዕ ኣብ ዝፍትሽሉ እዋን እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ከምዘይፈልጡ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ዝወጸ ሓድሽ ፖሊሲ ንኣባላት ፖሊስ ቅኑዕ መምርሒ ዝህብ ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ።
እንተኾነ ግን፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ፍጻሜታት፡ ንሕጋውነት ናይቲ ፖሊስ ዝጥቀምሉ ሜላታት ምፍታሽ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩዎ ኣሎ። ኣባላት ፖሊስ ንኽፍትሹ ዘለዎም ጸቕጢ፡ ድኹም ምልውዋጥ ሓበሬታ፡ ዘይስሩዕ ስነዳን ጸብጻብን ገለ ካብቶም እቲ መርመራ ዘረጋገጾም’ዮም።
ዕርቃን ብምውጻእ ዝግበር ፍተሻ ሕጋዊድዩ?
ብመሰረት ሕጊ ኣውስትራልያ፡ ዕርቃን ብምውጻእ ዝግበር ፍተሻ ኣብ “ከቢድን ህጹጽን ኩነታት” ዝፍጸም ኮይኑ፡ ኣገዳስነት እንተ ኣልይዎ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።
ከምኡ ኣብ ዝኾነሉ’ውን፡ ዝተሓተ ኣካላዊ ምቕላዕ ዘስዕብ ክኸውን ኣለዎ። ብልዕቲን ካልኦት ውሽጣዊ ኣካላት ሰባት ምፍታሽ ክልኩል’ዩ።
ኣብ ትሕቲ ዕድመ ምስዝኸውን እውን፡ ህጹጽ ኩነታት እንተዘይኮኑ፡ ፍተሻ ክካየድ እንከሎ መጒዚት ወይ ወለዲ ክህልዉ ኣለዎም።
ኣባላት ፖሊስ ኣካይዶሞ ዝብሃል ደረቱ ዝሓለፈ ፍተሻ ግን ኣብታ ሃገር ብዙሕ ከዘራርብ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓደ ወዲ 14 ዓመት፡ ንመትሎኡ ብኢዱ ሒዙ ከርእዮም ከም ዝተኣዘዘ እቲ መርመራ ካብ ዝረኸቦም ዘይሕጋውያን ፍተሻ’ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ንሱ ዝተረኽበሉ ፌስቲቫል ጥራይ 25 ተመሳሳሊ ዘይሕጋዊ ፍተሻታት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ከም ዝተኻየደ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ሓደ ኣባል ፖሊስ ነቲ ኣጻራዪ ኣካል ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሓያሎ ናኣሽቱ መንእሰያት ልዕሊ ዓቐን ዘደንዝዙ ዕጻት ወሲዶም ስለዝሞቱ፡ ንዕኡ ንምክልኻል እቲ ፍተሻታት ኣድላዪ ምዃኑ ተዛሪቡ።
በዚ ዝተላዕለ፡ ዕርቃን ሰብ ብምውጻእ ዝግበር ፍተሻ ቀጻዒ ምዃኑን ኣብ ፌስቲቫላት ዝግበር ኣገባብ ፍተሻ ክቕየር ዝጠልብን መጸዋዕታ ቀሪቡ’ሎ።