እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንመዝነት መርማሪት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንሓደ ዓመት ኣናዊሑ
ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ብድምጺ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ፍልይቲ ልእኽቲ (ስፐሻል ራፖርተር) ዳንኤላ ክራቨዝ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ክትከታተል መሊሱ ሓላፍነት ኣሰኪምዋ ኣሎ።
እቲ ውሳነ፡ ናይ 24 ሃገራት ደገፍ ብምርካቡ'ዩ ክሓልፍ ኪኢሉ።
እታ ኣባል ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ኤርትራ እትርከበን 11 ሃገራት ክቃወማ እንከለዋ፡ 13 ሃገራት ድማ ድምጺ ካብ ምሃብ ተዓቂበን።
ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብ47 ድምጺ ዝህባ በብእዋኑ ዝምረጻ ሃገራት ዝቖመ'ዩ።
እተን ኣብ ፈለማ ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝውሰድ እገዳታትን ስጉምትታትን ዝነበራ፡ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ውሳነ: ተቓውሞአን ገሊጸን ኣለዋ።
እታ ፍልይቲ ተኸታታሊት፡ ኩነታት ምግሃስ መሰረታዊ ሰባዊ መሰላት፡ ሲቪካዊን ፖለቲካውን መሰላት፡ ናይ እምነት መሰላት፡ ከምኡ'ውን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰላት ከም ዘይተመሓየሸ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ገሊጻ ነይራ።
መንግስቲ ኤርትራ "ብድሆታት" ከም ዘሎ'ኳ እንተ ኣመነ፡ ነቲ ጸብጻብን ኣተሓሕዛ ናይቲ ቤት ምኽርን 'ንኤርትራ ንምስይጣን ዝዓለመ'ዩ' ብምባል ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኤርትራ ቅዋም፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ሲቪካውነን ማሕበራትን ናጻ ፕረስ ዘይብላ ሃገር'ያ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናጽነታ ካብ እትረክብ ዳርጋ ንሰላሳ ዓመታት ብዘይ ሃገራዊ ምርጫ'ዩ ዝመርሓ ዘሎ።
እቲ መንግስቲ ዜጋታቱ ከምዘሳቕን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩን፡ ሰዊሩ ከም ዘሎን ተጣበቕቲ ጉጅለታት ይገልጹ።