እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እንግሊዛዊ ኣባል እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ሶርያ ተቐቲሉ
ኣባል እስማዊ ጉጅለ [ዳዕሽ] ኮይኑ ክቃለስ ካብ ብሪጣንያ ናብ ሶርያ ዘምረሐ እንግሊዛዊ ኢሻቅ ሞስጦፋ ከምዝተቐትለ ቢቢሲ መረዳእታ ረኺቡ።
ኢሻቅ ሞስጦፋ ዝበሃል እንግሊዛዊ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ከተማ ለንደን ዝዓበየ ኾይኑ፡ ኣብ ሶርያ ኣብ ቀይዲ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣትዩ እዩ ጸኒሑ።
አቀታትልኡ ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን። ገለ ምንጭታት ከምዝብልዎ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምልጥ እንትፍትን እዩ ተቐቲሉ።
ካልኦት ምንጭታት ድማ፡ ኣብቲ ማእሰርቲ ብዝሓደሮ ሕማም እዩ ሞይቱ ይብሉ። ጠንቂ ሞት እቲ ኣባል ኣይኤስ እንታይ ከምዝኾነ፡ ዛጊድ ካብ መንግስታዊ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ኢሻቅ ሞስጦፋ መን እዩ?
እዚ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ፡ ብኣመሪካ ዝድገፉ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኩርዲሽ ኣብ ዝቆጻጸርዎ ምብራቓዊ ክፋል ሶርያ እዩ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ጸኒሑ።
ሚሊሻ እቲ ዓዲ ኣብ ቀይዲ ዘእተውዎም ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ 10 ኣወዳትን 30 ኣዋልድን ብሪጣናውያን ኮይኖም፡ ኢሻቅ ሓደ ካብኣቶም ነይሩ።
እቲ ኣባል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣባል እቲ ጉጅለ ምዃኑ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ ነይሩ።
እቲ ካብ ኣልጀርያውያን ስድራ ዝውለድ ሙስጠፋ፡ ኣብቲ ዝዓበየሉ ከባቢ ፍሉጥን ኣፍቃሪ ኩዕሶን ከምዝነበረ እዩ ዝዝረብ።
እንተኾነ፡ እናዓበየ ምስከደ ብጥሩፍነት እናተጸለወ ከምዝኸደ እዩ ዝዝረብ።
ሙስጠፋ ኣብ 2014 እዩ ናብቲ ጉጅለ ተሓዊሱ። ኣብ 2018 ድማ እንግሊዛዊ ዜግነቱ ተሓዲጉ።
እንግሊዛውያን ኣባላት ዳዕሽ
እቲ ሞስጠፋ ዝነበረሉ፡ ብፍሉይ ኣባላት ኣይ ኤስ ጥራሕ ዝእሰርሉ ቤት ማእሰርቲ፡ ኩነታቱ ሕማቕ ከምዝኾነን ፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናኸፍአ ከምዝመጽአን እዩ ዝዝረብ።
ገለ እንግሊዛውያን ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ዓዲ ብሪጣንያ ክዳነዩ ንዘቕረብዎ ሕቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካብ 2011 ጀሚሩ ናብ ሶርያ ዝግበር ዝኾነ መገሻ ኣጠንቂቑ ከምዝነበረ ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ዕዮ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ካብ ብሪጣንያ ኸይዶም ኣባል ጉጅለ ዳዕሽ ኮይኖም ዝዋግኡ ኣብ ልዕሊ ሃጋራዊ ጸጥታ እታ ሃገር ዓብዪ ሓደጋ እዮም ዘብጽሑ” ኢሉ።
ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ፡ ሃገራት ነናይ ባዕለን ዜጋታት ክእርማን ነቶም ኣብ ቀይዲ ዘለዉ ድማ፡ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ቆይሙ ጉዳዮም ብኡ ኣቢሉ ክረአ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ።
ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብዚ ዝተረኽቡ ዜጋታተን፡ መሊሰን ከምዝወሰዳ እዩ ዝዝረብ።
ሓደ ሚኒስተር ብሪጣንያ ከምዝበሎ ድማ፡ ካብ መንጎ እቶም ናብ ሶርያ ከይዶም ናብቲ እስላማዊ ጉጅለ ዝተሓወሱ 900 ሰባት፡ ዒስራ ሚኢታዊ እንትሞቱ 40 ሚኢታዊ ድማ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ተፈሊጡ።
40 ሚኢታዊ ዛጊድ ምስቲ ጉጅለ ይርከቡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሙስጠፋ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ ኣባል ሓደ ካብቶም ናብ ሶርያ ዘምርሑ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዌስትሚኒስተር እዩ።