እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒውዮርክ፡ ካብ ትሸዓተ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንዝኣትውዋ ሰባት ክውሸቡ ተገድድ
ኒውዮርክ፣ ኒው ጄርሲን ኮኔክቲከትን፡ ሓድሽ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ይርኣየን ካብ ዘሎ ግዝኣታት ንዝመጹ ሰባት፡ ን14 መዓልታት ንነብሶም ክውሽቡ ሓቲተን።
ኣመሓዳሪ ኒው ጄርሲ ፊል ማርፊ፡ ኣብዘን ሰለስተ ግዝኣታት ዝነብር ህዝቢ ‘ኣብ ሞትን ሕየትን” ኮይኑ ኣዋርሕ ኣሕሊፉ’ዩ ብምባል፡ ዳግም ደግሲ እዚ ቫይረስ ክጥቃዕ ኣይንደልን ኢሉ።
ገሊአን ግዝአታት ደቡብን ምዕራብን ኣሜሪካ፡ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዝረኸባ ይግለጽ ኣሎ።
ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን፡ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ እዚ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት፡ ቁጽሮም 180 ሽሕ ከም ዝበጽሕ ግምቱ ኣቐሚጡ።
እቲ 95 ሚኢታዊት ኣሜሪካዊ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝጥቀም እንተኾይኑ ግን፡ እዚ ቁጽሪ ናብ 146 ሽሕ ክወርድ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ኣሜሪካ 2.3 ሚሊዮን በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክምዝገብ እንከሎ፡ ልዕሊ 121 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም።
ሰብ መዚ ጥዕና ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ሓያል ለበዳ እዚ ቫይረስ ከም ዝኽሰትን፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ከም ዝውስኽን የጠንቅቑ ኣለው።
እዚ ንምንካይ፡ ሰባት ብዝሒ ሰብ ናብ ዝእከበሎም ቦታታት ዘይምኻድ ቀዳማይ ምርጫኦም ክገብሩዎ ክምዘለዎምን፡ ኣገዳሲ ኾይኑ እንተኸይዶም ግን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብግአእ ክጥቀሙ ከም ዘለዎም ሰብመዚ ይምዕዱ።
ኣየንኦት ግዝኣታት ክውሸባ ይግደዳ?
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣልባማ፣ ኣርካንሳስ፣ ኣሪዞና፣ ፍሎሪዳ፣ ሰሜን ካሮሊና፣ ደቡብ ካሮሊና፣ ቴክሳስ፣ ዋሽንግተንን ሁታህን ከም ዝኾና፡ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩሞ ገሊጹ።
ካብዘን ግዝኣታት ናብ ኒውዮርክ፣ ኒው ጄርሲን ኮኔክቲከትን ዝመጽኡ ሰባት፡ ክሳብ 14 መዓልታት ክውሸቡ ይግደዱ።
ሓደ ነዚ ሕጊ ከይኣኽበረ ዝተረኽበ ሰብ፡ ካብ ሓደ ሽሕ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ከም ዝቕጻዕ፡ ኣመሓዳሪ ኩሞ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
እዘን ኣብ ዝርዝር ውሸባ ኣትየን ዘለዋ ግዝኣታት፡ ብመሰረት ዝህልወን ናይ መልከፍቲ መጠን ካብዚ ሓድሽ መምርሒ ክወጽኣ ከም ዝግበር’ውን ኣብሪሁ።
“ነዚ ኢና ክንገብር እንኽል፤ ሰለስቲኤና ግዝኣታት ህዝብና ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ናብ ገሃነብ በጺሑ ተመሊሱ’ዩ። ሕጂ፡ ንህዝብና ካብዚ ቐጺሉ ንዝመጽእ ለበዳ ክንከላኸለሉ እዩ ዘለና” ኢሉ ኣመሓዳሪ ኒው ጄርሲ ፊል ማርፊ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካሊፎርኒያ [ብሮቡዕ 7149 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ረኺባ]፣ ፍሎሪዳ [መዓልታዊ 5580 ሓደሽቲ ትረክብ]፣ ኣሪዞና [ትማሊ፡ 1795 ሓደሽቲ ዝሓመሙ ረኺባ]፣ ቴክሳስ [ብሮቡዕ 5551 ሓደሽቲ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት’ያ ረኺባ] ሓድሽ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ዝርኣየን ዘለዋ ግዝኣታት እየን።
ኣሪዞናን ቴክሳስን፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ተነቢሮም ንዝነበሩ እገዳታት ቀዲመን ዘልዓላ እየን።