ኣብ ከተማ ቤይጂንግ ደግሲ ኮሮናቫይረስ ኣስጊኡ'ሎ

Published

ርእሰ ከተማ ቻይና ዝኾነት ከተማ ቤይጂንግ፡ ንልዕሊ 50 መዓልታት ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከየጋጠማ እያ ጸኒሓ።

ሕዚ ግን፡ ሓድሽቲ መልከፍቲታት ኮሮናቫይረስ ስለዝረኸበት፡ ሓደ ክፋል ናይታ ከተማ ኣብ ጽኑዕ ዕጽዋ ክኣቱ ተገይሩ'ሎ።

እቲ ሓድሽ ለበዳ ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ዕዳጋ እዩ።

ኣብቲ ዢንፋዲ ዝበሃል ዕዳጋ ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም 517 ሰባት፡ እቶም 45 ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ተረጋጊጹ እዩ። ካብቶም ምልካፎም ብምርመራ ዝተረጋገጸ፡ ዝኾነ ምልክት ናይታ ሕማም ዘርእይ ኣይነበረን።

ኣብ ጥቓ እቲ ዕዳጋ ዝርከቡ 11 መንደራት ክዕጸው ተገይሩ'ሎ። ኣብቲ ዕዳጋ ዝሰርሑ 10,000 ሰባት ድማ ምርመራ ገግበረሎም እዩ።

ኣመሓደርቲ ናይታ ከተማ፡ ናብቲ ዕዳጋ ከይዶም ንዝነበሩን ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነብሩ ሰባት ምትንኻፍ ናይ ዝነበሮምን ሰባት ኣሰር ረኺቦም ክምርምሩ ድልየት ኣለዎም።

እቲ ሓደሽቲ መልከፍቲ ዝተርኣየሉ ዕዳጋ ብቀዳም ንጉሆ እዩ ተዓጽዩ። እዚ ድማ፡ ናብቲ ዕዳጋ ከይዶም ዝነበሩ ክልተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ምልካፎም ምስተረጋገጸ እዩ።

ብድሕሪ'ዚ፡ ኣብቲ ዕዳጋ ምርመራ ተገይሩ፡ 45 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊጹ።

እቲ ዝተዓጸወ ቦታታት፡ ብወተሃደራዊ ፖሊስ ይሕሎ ኣሎ። ናብቲ ቦታ ዝወስድ መጓዓዝያ ተቛሪጹ'ሎ። ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ተዓጽየን።

ኣብታ ከተማ፡ ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከየጋጥም ድማ ስግኣት ኣሕዲሩ'ሎ።

ኣብ ቻይና፡ ቅድም ኢሉ ተሪር ናይ ዕጽዋ ስጉምትታት ብምውሳድ እያ ነቲ ለበዳ ክትቆጻጸሮ ክኢላ ነይራ።