እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘት ኣደ፡ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ዝኾነ ቆልዓ ወሊዳ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ፡ ሕክምና ኣብ ዝረኽብሉ ዘለዉ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘት ኣደ፡ ካብቲ ሕማም ናጻ ዝኾነ ቆልዓ ከምዝወለደት ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እታ ጓል 34 ዓመት ኣደ፡ ብመጥባሕቲ ተባዕታይ ቆልዓ ከምዝተገላገለት ተገሊጹ'ሎ።
ካብቲ ህጻን ተወሲዱ ብዝተመርመረ ቅምሶ ድማ፡ እቲ ህጻን ካብቲ ሕማም ናጻ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ።
ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርስን ኮሮናቫይረስ ካብ ኣደ ናብ ቆልዓ ናይ ምሕላፍ ተኽእሎኡ ንእሽቶ'ኳ እንተኾነ፡ ቅድም ክብል፡ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፋ ኣደታት ዝተወለዱ ህጻናት፡ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ተረኺቦም እዮም ኢሉ ሚኒስትሪ ጥዕና።
"ኣብ እዋን ጡብ ምጥባውን ካልእን ልሙድ ምትንኻፋት፡ እቲ ቫይረስ ዝሓልፈሉ ዕድል ልዑል ስለዝኾነ፡ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ" ድማ ኢሉ።
እታ ኣዶ ጡብ ቅድሚ ምጥባውን ዝኾነ ምትንካፍ ቅድሚ ምግባራን ኢዳ ብሳሙና ሙልጭ ኢላ ክትሕጸብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክትገብር ንይምከር።
ከምኡ'ውን እታ ሓራስ እትቕመጠሉ ክፍሊ እኩል ኣየር ክህልዎን ክናፈስን ሰብ ሞያ ይመኽሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣዴታት መዓልቲ ክታበት ብኣግባቡ ምክትታልን እኹል ጸሓይ ክረኽቡ ክገብራ ኣለዎን።