ኣብ ስፔን ኣሸሓት ሰባት ኣንጻር ዕጽዋ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Published

ኣብ ስፔን፤ መንግስቲ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝኣወጆ ኣዋጅ ዕጽዋ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ርሕቐቶም ሓልዮምን ካብ መኪነኦም ከይወጹን እዮም ተቓውሞ ከስምዑ ተራእዮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ስፔን፡ ማድሪድ፡ ባንዴራ ስፔን ሒዞም ተቓውሞ ዘስምዑ እቶም ሰልፈኛታት፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔድሮ ሳንቼዝ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቶም።

ስፔን ካብተን ቀዲመን በቲ ለበዳ ኣዝየን ዝተጥቕዓ ሃገራት ሓንቲ ኾይና፡ ካብ መጋቢተት 14 ጀሚራ ጥቡቕ ኣዋጅ ዕጽዋ ክትትግብር እያ ጸኒሓ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ግን እቲ ኣዋጅ ከተላሕለሖ ጀሚራ ኣላ።

እንተኾነ፡ በቲ ለበዳ ኣዝየን ኣብ ዝተሃሰያ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ፡ማድሪድን ባርሴሎናን፡ እቲ ኣዋጅ ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ ወሲና።

ሰባት ንምነታ እዮም ዝቃወሙ ዘለዉ?

እታ ሃገር በቲ እትትግብሮ ዘላ ኣዋጅ ዕጽዋ ምኽንያት ሆቴላት፣ እንዳ መስተን ቤት ብልዕን ከምኡ'ውን መናፈሲታት ገምገም ባሕሪ ኣገልግሎት ከይህቡ ተገይሩ።

መንግስቲ ከምኡ ብምግባሩ፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኮነ ቁጽሪ መወትቲ እናነከየ ከምዝመጸ እዩ ዝገልጽ።

እቶም ተቓወምቲ ግና፡ ነቲ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ኾነ ብሰንኩ ህይወቶም ንዝሰኣኑ መንግስቲ እዮም ተሓታቲ ዝገብሩ።

'ድኹም ትግበራ እቲ ኣዋጅ' እቲ ሕማም ክዛመት ምኽንያት ኮይኑ ይብሉ።

እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ስዒቡ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔድሮ ክልተ ዓበይቲ እገዳታት ከልዕል ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ካብ መጻኢ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ፡ እታ ሃገር ንዑደተኛታት [በጻሕቲ ዓዲ] ክፍቲ ክትኮን እያ።

ከምኡ ድማ፡ መደብ ኩዕሶ እግሪ ላ-ሊጋ ኣብ መጻኢ ወርሒ ከምዝጅመር ተዛሪቡ ኣሎ።

ቅድም ክብል፡ ኣብ ኣመሪካ፣ እንግሊዝን ብራዚልን ሰባት ከይተፈናተቱ ኣንጻር ኣዋጅ ዕጽዋ ተቓውሞ ምክያዶም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ስፔን 28 ሽሕ ሰባት በቲ ለበዳ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኾይኖም፡ 234 ሽሕ ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

ይኹን'ምበር፡ መዓልታዊ ቁጽሪ መወትቲ እናነከየ ዝመጽአ እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 56 ሰባት ጥራሕ ከምዝሞቱ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ።