እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ባይቶ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?
ኣኼባ ባይቶ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ንኣወርሕ ከይተኻየደ ጸኒሑ'ሎ። ብድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ጻንሒት ትማሊ ሓሙስ [21-05-2020] ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ድማ ሓደ ክስተት ተፈጢሩ።
ኣባላት እቲ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ምክትል ፕረዚደንት፡ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፡ ካብ ስልጣኑ ክለዓል ሕቶ ብምልዓሎም፡ ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጠረ እቲ ባይቶ 12 ኣባላት ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ኣልዒሉ'ሎ።
ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ዘትዮም ውሳነ ንኸሕልፉ'ዮም ተኣኪቦም ነይሮም። እንተኾነ ካብቶም ዝተትሓዙ ኣጀንዳታት ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ እቲ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ዘተ ብምክያድ መተኣማማኒ ድምጺ ንኽወሃብ ካብ ኣባላት ሕቶ ተላዒሉ።
ሽዑ ነቲ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ብዝምልከት ዝተትሓዘ ኣጀንዳ ከምዘየለ ተሓቢሩ ናብቶም ካልኦት ኣጀንዳታት ንእተው ስለዝተበሃለ ኣብቲ ኣዳራሽ ተቓውሞን ረብሻን ከምዝተልዓለ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ መሓመድ ዓሊ ሓላእ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ኣባላት ካብቲ ኣዳራሽ ምውጽኦምን ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ ብምእታው "ዕግርግር ከምዝፈጠሩ" ከምኡ'ውን "ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ከምዝኸዱ" ኣይተ መሓመድ ገሊጹ።
ብሰንኪ'ቲ ዝተፈጠረ ዘይምስናይ ከኣ 12 ኣባላት ብሕጊ ዝተውሃቦም ተኸሳሲ ናይ ዘይምዃን መሰሎም ክለዓል ተወሰኒ'ዩ።
መሰሎም ካብ ዝሰኣኑ ኣባለት ሓደ ዝኾነ ኣይተ ዓብዱራሕማን ኡራቴ "እቲ ስጉምቲ ሕጋውነት የብሉን" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ 180 ኣባላት ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ምኽትል ኣፈ ጉባኤ እናመርሐቶ ኣጀንዳታተት ናብ ምጽዳቕ ምስተኣተወ'ዩ እቲ ዘይምርድዳእን ረብሻን ኣጋጢሙ።
ኣብቲ እዋን ገለ ኣባላት ገምጋም ኣፈጻጽማ ስራሕ መንግስቲ ክልልና'ውን ኣብቲ ኣጀንዳ ይወሰኽ ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡን ሓሳቦም ተቐባልነት ከይረኸበ ብምትራፉ ዝተወሰኑ ኣባላት ነቲ ኣኼባ ኣቋሪጾም ከምዝወጽኡ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።
ካብቶም ነቲ ኣኼባ ረጊጾም ዝወጽኡ ኣባላት ሓደ ዝኾነ ኣይተ ዓብዱራሕማን "ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ክንህብ ኣብ ዝጀመርናሉ ፖሊስ ኣብ ልዕሌና ጥቕዓት ፈጺሙ። ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ኣባላት ከኣ ኣካላዊ ማህረምቲ በጺሑ። ናተይ መንበሪ ገዛ'ውን ብፖሊስ ተፈቲሹ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብሓፈሻ "127 ኣባላት" ነቲ ኣኼባ ረጊጾም ከምዝወጽኡ ብምዝኽኻር ቁጽሪ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተረፉ ኣባላት ውሑድ ብምንባሩ እቲ ኣኼባ ክቕጽል'ዩ ዝብል እምነት ከምዘይነበሮ ኣረዲኡ።
እቲ መሰል ዘይምኽሳስ 12 ኣባላት ዝተልዓለ እኹል ቁጽሪ ኣባላት ብዘይተሳተፉሉ ውሳነ ከምዝኾነ'ዩ ዝገልጽ።
"ጥሕሰት ሕጊ ዝተረኣየሉን ንደንብን ኣሰራርሓን እቲ ባይቶ ዘይተኸተለን እዩ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክሲ ክነቕርብ ኢና" ኢሉ።
ኣኼባ ኣቋሪጾም ካብቲ ኣዳራሽ ዝወጽኡ 30 ኣባላት እንተነበሩ'ኳ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ዝተልዓለ ግን ነቲ ረብሻ ኣበጊሶም ዝተበሃሉ 12 ሰባት ጥራይ ከምዝኾኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ቢቢሲ ካብቶም መሰሎም ዝሰኣኑ ኣባላት፡ ተወሰኽቲ ሰባት ረኺቡ ንምዝርራብ እንተፈተነ'ውን "ክንእሰር ንኽእል ኢና" ብዝብል ስግኣት መብዛሕቲኦም ካብ ከተማ ጂግጂጋ ናብ ካልኦት ከተማታት ከምዝወጽኡ ሓቢሮም።
መሰል ናይቶም ኣባላተ ንኽለዓል ድምጺ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ኣብቲ ኣዳራሽ ከምዝነበረ ዝዛረብ ኣይተ መሓመድ ዓሊ፡ ናብቲ ውሳነ ድምጺ ንምሃብ ዘኽእል እኹል ቁጽሪ ኣባላት ምንባሩ ይገልጽ።ቤት ምኽሪ (ባይቶ) ሶማሌ 238 ኣባላት ኣለውዎ። ውሳነ ንምሕላፍ ዘኽእሎ ድማ ክልተ ካብ ሰለስተ ኢድ ማለት 152 ኣባላት ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣኼባ ድማ 184 ኣባላት ከምዝተረኸቡ ኣይተ መሓመድ ሓቢሩ።
ንሱ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ እቶም ተቓውሞ ዘልዓሉ ኣባላት፡ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ካብ ስልጣኑ ይለዓል ዝብል'ዩ።