እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ብዛዕባ ክሎሮኲንን ኮሮናቫይረስን እንታይ ንፈልጥ?
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዋላ'ኳ ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ እንተ ኣጠንቂቑ፡ ብኮሮናቫይረስ ንከይልከፍ፡ሃይድሮክሲክሎሮኲን ይወስድ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ሃይድሮክሲክሎሮኲንን ተመሳሳሊ መድሃኒት ክሎሮኲንን፡ ኮቪድ-19 ኣብ ምፍዋስ ውጽኢታዊ እንተኾይኖም ንምርግጋጽ፡ መጽናዕትታት ይካየድ ኣሎ።
ንሕና'ውን ዛጊት ብዛዕባ እዞም ኣፋውስ ዝፍለጡ ጉዳያት ፈቲሽናዮም ኣሎና።
ኣብ ጥቕሚ ብዛዕባ ምውዓሎም ሻቕሎቱ ዝገለጸ መን'ዩ?
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብዛዕባ እቶም ንገዛእ ርእሶም በቲ ፈውሲ ዝሕክሙን ካልእ ሳዕቤናት ዝመጽኦምን ሰባት ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ።
ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕክምና ኣሜሪካ ነበር፡ ዶክተር ሪክ ብራይት'ውን ሻቕሎቱ ተዛሪቡ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ መዝነቱ ዝተኣለየ ዶክተር ብራይት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ እዞም ኣፋውስ ደጋጊሙ ምዝራቡ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ኣብ ፌደራል ዝርከቡ ተመራመርቲ ዝሰልብ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ክታበት ንምምዕባል ንዝካየድ ጻዕርታት እዩ ክመርሕ ጸኒሑ።
እዞም ኣፋውስ ኣብ ውሱን ኩነታት ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ኽውዕሉ ፍቓድ ዝሃበ ትካል ምቁጽጻር መግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ'ውን፡ እዞም ኣፋውስ ክህልዎም ብዛዕባ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣጠንቂቑ እዩ።
እዞም ኣፋውስ፡ ኮቪድ-19 ክፍውሱ ዝኸኣልሉ ጭብጢ ኣሎ'ዶ?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ካብ ዋይት ሃውስ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺታት ብዛዕባ ተኽእሎታት ሃይድሮክሲክሎሮኲን ተዛሪቡ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እንታይ ይጎድለኩም? ውሰድዎ" ኢሉ ነይሩ።
ፕረዚደንት ብራዚል፡ ጀይር ቦልሶናሮ'ውን "ሃይድሮክሲክሎሮኵን ኣብ ኩሉ ስፍራታት የገልግል" ከም ዘሎ ዝገልጽ ቪድዮ ኣብ ፌስቡክ እኳ እንተዘርግሐ፡ ፌስቡክ ንመምርሒታት ዝጥሕስን ግጉይ ሓበሬታን እዩ ብምባል ኣልገሶ።
እቲ ብዛዕባ እዞም ኣፋውስ ዝንገር ዘረባታት እቶም ኣፋውስ ዝያዳ ጠለብ ከም ዝረኽቡ ገይሩ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ መጋቢት ድሕሪ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ኣሜሪካ ጠለብ ክሎሮኲንን ሃይድሮክሲክሎሮኲንን ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ሰነዳት የርእዩ።
ናይ ክሎሮኲን ትሕዝቶ ዘለዎም ኣፋውስ፡ ኣብ ምፍዋስ ሕማም ዓሶ፡ ረስንን ነድርን ንምጉዳል ከገልግሉ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ኣብ ኮቪድ-19 ተመሳሳሊ ጥቕሚ ክህልዎም ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ።
ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ነቲ ፈውሲ ብምጥቃም ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ፈተነታት ይካየድ ኣሎ።
ከም ኣካል ናይዚ መርመራ፡ እቶም ነቲ ቫይረስ ዝያዳ ተቓላዕቲ ዝኾኑ፡ ኣብ ቅድሚት ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ከም መከላኸሊ ይወስድዎ ኣለው።
ካልእ ምርምራት ድማ፡ ነቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ምፍዋስ ይሕግዝ እነተኾይኑ'ውን ይፍትንዎ ኣለው።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ክለሮኲን፡ ሃይድሮክሲክሎሮኲንን ኣዚትሮማይሲን ዝተባህለ ኣንቲባዮቲክን ዝርከብዎም ኣፋውስ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ንምፍዋስ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ።
እንተኾነ ግና ዛጊት፡ ኣብ ምክልኻል ኮነ ኣብ ምፍዋስ ኮቪድ-19 ብቕዓት ከም ዘለዎም ኣይተረጋገጸን። ኣብ ልዕሊ ኩሊትን ጸላም ከብድን ግና ጎድናዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ፍቓድ ዝሃባ ሃገራት ኣየኖት እየን?
ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት፡ ትካል ምቁጽጻር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ (ኤፍዲኤ)፡ ብርክት ንዝበሉ ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሱ ሕሙማት ኮቪድ-19 ኣብ "ህጹጽ እዋን" ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ኣፍቂዱ እዩ።
ግን ኤፍዲኤ፡ እዞም ኣፋውስ ኮቪድ-19 ኣብ ምፍዋስ ከም ዝሰርሑ የረጋግጸልና ኣይኮነን ዘሎ።
ኣብ ገለ ኩነታት፡ ሆስፒታላት ሕሙማት ኮቪድ-19 ንምሕካም ነቲ መድሓኒት ካብ መንግስቲ ክጠልባ ከም ዝኽእላ እዩ ዝገልጽ።
24 ሚያዝያ ግና ትካል ምቁጽጻር መግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ፡ ነቶም መድሃኒታት ምጥቃም ኣብ ልቢ ብዛዕባ ዘስዕቦ ሓደጋ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ።
ካልኦት ሃገራት'ውን ብዝተፈላለየ ዓቐን ነዞም ናይ ዓሶ ኣፋውስ ይጥቀማ ኣለዋ።
ፈረንሳ፡ ሓካይም ነዞም ኣፋውስ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ክእዝዙ ፍቓድ ሂባ እያ፤ ትካል ምክትታል ኣፋውስ እታ ሃገር ግና ብዛዕባ ጎድናዊ ሳዕቤናቶም ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ህንዲ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕናን፡ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ዝነብሩ ሰባትን ሃይድሮክሲክሎሮኲን ከም መከላኸሊ ክወስዱ መኺሩ እዩ።
ምርምራት ዘካይድ ኣካል መንግስቲ ህንዲ ግና፡ መድሃኒት ዓሶ ብዘይ ቀይዲ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ጥራይ ክውሰድ ከም ዝግባእ ኣፍሊጡ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ'ውን ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከፍቅዳ ከለዋ ካልኦት ድማ ፈተነታት የካይዳ ኣለዋ።