ውድብ ጥዕና ዓለም ንኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ ምጽራይ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ

Published

ኣብ ጉባኤ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሳተፉ ዘለዉ ሰብሞያ ጥዕና ዓለም ንኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተወሃበ ግብረ-መልሲ ብዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበር ይደፍኡ ኣለዉ።

ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝሳለጥ ዘሎ ኣኼባ ተወከልቲ 194 ኣባል ሃገራት እናተሳተፉ እዮም።

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ሃገሩ ኣብ እዋን እቲ ለበዳ ንዝወሰደቶም ስጉምትታት ኣመልኪቶም ንዝቐርቡ ተቓውሞታት ተኸላኺሉ።

ንሱ ሃገሩ ብግልጽን ቅንዕናን ከምዝተንቀሳቐሰት ብምሕባር፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቁጽጽር ምስ ወዓለ ዝኾነ ዓይነት ምርመራ ክካየድ ከምዝኽእል ገሊጹ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ ኣብ ዘስምዖ ናይ መኽፈቲ ዘረባ እቲ ንሱ ዝመርሖ ውድብ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ንዝወሰዶም ስጉምትታት ኣመልኪቱ ምጽራይ ክካየድ ዝቐረበ ሓሳብ ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝካየድ ጉባኤ ንዓመታዊ ስራሕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝግምግም ኮይኑ፤ ቻይናን ኣሜሪካን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝካሰሳሉ እዋን'ዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

ኣሜሪካ ነቲ ውድብ እትገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ብወግዒ ብምቁራጽ፡ ናይ ባዓላ ፕሮግራም ምምዕባል ክታበት እናካየደት ትርከብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ልዕሊ 300 ሽሕ ከምዝሞቱን ጸብጻባት የመልክቱ።

ሕብረት ኣውሮጳ፣ ብሪየጣንያ፣ ኣወስትራልያን ኒው ዚላንድን ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝተሰርሑ ስራሕትን ካብኡ ክውሰዱ ዝኽእሉ ትምህርትን ብዝምልከት ምርመራ ክካየድ ሕቶአን ኣቕሪበን ኣለዋ።

ወሃቢት ቃል ሕብረት ኣውሮጳ ቪርጂነ ባቱ-ሄንሪክሰን፡ ብዙሓት መልሲ ዝደልዩ ሕቶታት ከምዘለዉ ተዛሪባ።

"እቲ ለበዳ ብኸመይ ተዘርጊሑ? ብድሕሪ እቲ ምትሕልላፍን ምቁጽጻርን ሕማም ለበዳ ዘሎ ነገር እንታይ'ዩ? እዚኦም ኩሎም ነቲ ኣብ ቅድሚት ከጓንፈና ንዝኽእል ከምዚ ዝበለ ካልእ ለበዳ ንምክልኻል ዝሕግዙና እዮም" ኢላ።

እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘረኣይ ዘሎ "ናይ ምጥቕቓን ጸዋታ" እዋኑ ከምዘይኮነ ሓቢራ።

እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምቁጽጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝተወሰዱ ግብረ-መልስታት ንኽግምገሙ ዝጽውዕ ረቂቕ ውሳነ ጽባሕ ሰሉስ ድምጺ ክወሃበሉ እዩ።

ክልተ ካብ ሰለስተ ኢድ ድምጺ እንተረኺቡ ክጸድቕ'ዩ። ሮይተርስ ከምዝሓበሮ ግን ዛጊድ ካብ 194 ኣባል ሃገራት ናይተን 116 ደገፍ ረኺቡ'ሎ።