ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኤውሮጳ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን በጺሑ

Published

ኣሜሪካ 1.3 ሚሊዮን ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ብምሓዝ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ቑጽሪ ግዳያት ዘለውዋ እንተኾነት'ውን፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ 1.5 ሚሊዮን በጺሑ ኣሎ።

ስፔን፡ (224,350 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት እንትህልው፡ 26,621 ሞይቶም)

ብሪጣኒያ፡ (220,449 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትትሓዙ፡ 31,930 ሞይቶም)

ጥልያን፡ (219,070 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትትሓዙ፡ 30,560ሞይቶም)

ሩሲያ፡ (209,688 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትትሓዙ፡ 1,915 ሞይቶም)

ፈረንሳ፡ (177,094 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትትሓዙ፡ 26,383 ሞይቶም)

ጀርመን፡ (171,879 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትትሓዙ፡ 7,569 ሞይቶም)

ቤልጅም፡ (53,081 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትትሓዙ፡ 8,656 ሞይቶም)

ኔዘርላንድስ፡ (42,826 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትትሓዙ፡ 5,459ሞይቶም)

ይኹን'ምበር፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኤውሮጳ ወሲደንኦ ዝጸንሓ ስጉምታት ዕጽዋ ብዝተፈላለየ መልክዑ ከፍኩሳ ጀሚረን ኣለዋ።

መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ፈረንሳ ሎሚ መዓልቲ ብውሑድ ቑጽሪ ተመሃሮ ምምሃር ምስትምሃር ክጅምራ እየን።

መሸጢ ክዳን ድኳናት፣ መጽሓፍቲ ዝሽየጠሎም ቦታታትን እንዳ ጸጉርን ክኽፈቱ'ዮም። ሬስቶራንታት፣ ሲነማን ባራትን ግን ዕጹዋት ኮይኖም ክቕጽል እዩ።

ኣብ ቤልጅም ኣካላዊ ርሕቀትካ ምሕላው ግድን ኮይኑ ትካላት ንግዲ ክኽፈቱ ወሲና ኣላ፤ ሬስቶራንታት፣ ባራትን ካፌታትን ግን ክዕጸው'ዮም።

ኔዘርላንድስ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚራ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ቤተ ንባብ፣ መሰልጠኒ ማእከላት ምዝዋር መኪናን እንዳ ጸጉርን ክትኸፍት እያ።

ስዊዘርላንድ ብወገና፡ ቑጽሪ ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍሊ ዝኣትው ተመሃሮ ነክያ መባእታውን ማእከላይን ኣብያተ ትምህርቲ ክትኸፍት እያ።

ኣብ ስፔን ክሳብ 10 ሰባት ኮይንካ ምእካብ ክፍቀድ'ዩ።

ሎሚ ኣብ ዴንማርክ ድኳናት እንትኽፈቱ፡ ፖላንድ ድማ ኣብዚ ሰሙን ሆቴላት ከም እትኸፍትን በጻሕቲ ዓዲ ንኽልተ ሰሙን ክውሸቡ ብምግባር ክኣትው ከም እተፍቅድን ገሊጻ።