እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤትፍርዲ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ጉዳይ ኣይተ በረከትን ኣይተ ታደሰን ብይን ሂቡ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ንዝነበሩ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን፡ በቲ ዝተኸሰስሉ ናይ ብልሽውና ጉዳያት ገበነኛታት ኮይኖም ስለዝረኸቦም ካብ ሹዱሽተ ክሳብ ሾመንተ ዓመት ክእሰሩ በይኑ።
እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ኣቶ በረከት ስምኦን ንሽድሽተ ዓመት፡ ኣቶ ታደሰ ካሳ ድማ ንሸሞንተ ዓመት ክእሰሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ኣቶ በረኸትን ኣቶ ታደሰን፡ ኣብ 'ጥረት' ዝተባህለ ትካል ዝውንኖም ኩባንያታት ናይቲ ክልል፡ ምጥፍፋእ ፈጺሞም ዝብል ኣርባዕተ ክስታት'ዩ ቀሪቡሎም ንዝሓለፉ 15 ኣዋርሕ ተኣሲሮም ፀኒሖም።
ጉዳዮም ከጻሪ ዝፀንሐ እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ናይ ክልቲኦም ተኸሰስቲ ክትዕ ድሕሪ ምስማዕ፡ ሎሚ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክስታት መዝገብ ገበነኛ ንዝተብሃለ ኣይተ በረከት ስምኦን፡ ማእሰርቲ ሽድሽተ ዓመትን 10 ሽሕ ብር መቕፃዕትን በይኑ።
ኣብ ክስታት መዝገብ ቀዳማይ፣ ካልኣይን ራብዓይን፡ ገበነኛ ዝተብሃለ ኣይተ ታደሰ ካሳ ድማ፡ ብሸሞንተ ዓመት ማእሰርትን 15 ሽሕ ብርን መቕጻዕቲ ከምዝተፈረደ፡ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ፀብፂቡ።
ክልቲኦም ተኸስሰቲ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ከምዘለዎም ዝገለፀ እቲ መጋባእያ፡ እቲ ብይን ኣብ ቀይዲ ካብ ዝወዓልሉ ግዘ ጀሚሩ ከምዝጽብጸብ ሓቢሩ።
ከም ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ጥሪ 2011 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ እዞም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር፡ ኣከብቲ ቦርድን ፈፀምት ስራሕን ኮርፖሬት ጥረት ኣብ ዝነበርሉ እዋን "ገበን ፈፂምኩም ኢኹም" ብዝብል እዮም ተኣሲሮም።
ኣቶ በረኸት ስምኦን፡ ሓደ ካብ ፍሉጣት መስረቲን መራሕቲን መንግስቲ ኢህወደግ ኮይኑ፡ ምስ ኣቶ ታደሰ፡ ኣብ 2011'ዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ናብ ክልል ኣምሓራ ተወሲዱ።
በረከት ስምኦን መን እዩ?
በረከት ስምኦን ኣብ ጎንደር ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስድራ፡ ኣብ ጎንደር ተወሊዱ ከምዝዓበየ እዩ ዝግለጽ።
ስድርኡ መብራህቱ ዝብል ስም ከምዝሃብዎን፡ ናይ ወላዲኦም ስም ድማ ገብረህይወት ከምዝኾነን ዝፈልጥዎም ሰባት ይዛረቡ።
እቲ ቀንዲ ሽሙ ድማ ኣብ እዋን ደርጊ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝቐየረ ይግለጽ።
ኣቶ በረከት ስምኦን ንወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ኣብ ምእላይ ዝተገብረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተሳቲፉ እዩ።
እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ ኣብቅዐ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት እቲ ውድብን ላዕለዋይ ሓላፍነት መንግስትን ኮይኑ ኣገልጊሉ።
በረከት ዝሰርሓሎም ናይ መንግስቲ ሓላፍነታት
- ሚኒስተር ሓበሬታ
- ሚኒስተር ቤትጽሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን
- ኣማኻሪ ፖሊሲ መጽናዕትን ምርምርን ቀዳማይ ሚኒስተር
- ምክትል ዳሬክተር ማእከል መጽናዕትን ምርምርን
- ኣካቢ ቦርድ ራድዮን ተሌቬዥንን ኢትዮጵያ
- ኣቦ መንበር ቦርድ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ