ዜጋታት ኣመሪካ፡ 'ኣብ ቬነዝወላ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝፈተኑ ኣሚኖም'

ምንጪ ስእሊ, EPA
መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ቬነዝወላ፡ ንፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ካብ ስልጣኑ ኣልዩ ናብ ኣሜሪካ ክወስድ ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ዝገለጽ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሓደ ኣሜሪካዊ ዘርጊሓ።
ሉክ ደንማን ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ዝተኣስሩ 13 ሰባት እዩ። ንሳቶም ፍሹል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘካየዱ ቬነዝወላ ትገልጽ።
ፕረዚደንት ቬነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንሃገሩ ክወርርን ካብ ስልጣን ክኣልዮን ከም ዝፈተነ ብምግላጽ፡ ብተደጋጋሚ እዩ ዝነቕፎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ግና፡ ሃገሩ ብዝኾነ መንገዲ ኢዳ ከም ዘየእተወት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ገሊጹ።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ማይክ ፖምፐዮ፡ ሃገሩ ነቶም ኣሜሪካውያን ንምምላስ "ኩሉ መሳርሒ" ክትጥቀም እያ ኢሉ።
መደበር ቴለቪዥን ቬነዝወላ እንታይ እያ ኣቃሊሓ?
ኣብቲ ብረቡዕ ዝተፈነወ መደብ፡ ወዲ 34 ዓመት ዴንማን፡ ኣብ ተለቪዥን ብምቕራብ ብዛዕባ እቲ እተዓሰበሉ ዕላማ ተዛሪቡ።
ንሱ ኣብ ኮሎምብያ ዝርከቡ ቬነዝወላውያን ድሕሪ ምስልጣን ናብ ርእሰ ከተማ ቬነዝወላ፡ ካራካስ፡ ብምምላስ ነቲ መዓርፎ ነፈረቲ ተቖጻጺሩ ንፕረዚደንት ማዱሮ ካብታ ሃገር ንምግዓዝ ውጥን ከም ዝነበሮ ገሊጹ።
"ቬነዝወላውያን ሃገሮም ዳግማይ ክቆጻጸሩ እየ ዝሕግዝ ነይረ" ክብል ዝተሰምዐ ደንማን ምስ ኣይራን ቤሪ ዝተብሃለ ካልኣዩ፡ ነቲ ስርሒት ክፍጽሙ ብጆርዳን ጎድራው ዝተብሃለ ኣሜሪካዊ ከም ዝተዓስቡ ይዛረብ።
እቲ ብጆርዳን ጎድራው ዝውነን ትካል: ምስቲ ብኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ከም ሕጋዊ መራሒ ቬነዝወላ ዝግለጽ፡ መራሒ ተቓወምቲ ዩዋን ጓይዶ ስምምዕ ከም ዝኸተመ፡ ፕረዚደንት ማዱሮ ይገልጽ።
እቲ ቪደዮ ናይ ደንማን ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ማዱሮ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ነዚ ወራር ብቐጥታ ዝመርሖ ፕረዚደንት ትራምፕ እዩ" ኢሉ።
እቶም ዝተትሓዙ ሰባት ኣበይ ከም ዘለው ግና ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን። ጠበቓ ረኺቦም እንተኾኑ'ውን ኣይተፈለጠን።
እቶም ዝተትሓዙ ኣሜሪካውያን እንታዎት እዮም?
ብዛዕባ ደንማንን ቤሪን ብዙሕ ዝተፈለጠ የሎን።
ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ቬነዝወላ ግና ኣባላት ጸጥታ ኣሜሪካ ምዃኖም ተዛሪቡ። መራኸቢ ብዙሓን ኣሜሪካ፡ ኣባላት ጸጥታ ዝነበሩ ከም ዝኾኑ እኳ እንተጸብጸባ ርጉጽ ግና ኣይኮነን።
ካራካስ: ካልኦት 11 ሰባት ከም ዝተታሓዙን 8 ዕጡቓት ድማ ኣብቲ ስርሒት ከም ዝተቐትሉ ትገልጽ።
ጆርዳን ጎድራው ምስ ጓይዶ ርክብ ከም ዝጸንሖ ብተደገጋሚ ምግላጹ ይንገር።
ብሰኑይ፡ መራሒ ተቓወምቲ ዩዋን ጓይዶ፡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምስቲ በቶም ኣሜሪካውያን ዝተኻየደ ስርሒት "ዝኾነ ርክብ ከም ዘይብሉ" ኣፍሊጡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
