ኣብ ትግራይ ንጓል ክልተ ዓመት ህጻን ብምዕማጽ ዝተጠርጠረ ተምሃራይ ብዋሕስ ወለዱ ተለቒቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ትግራይ ወረዳ ሓውዜን፤ ኣብ ልዕሊ ጓል ክልተ ዓመት ህጻን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ብዝብል ዝተጠርጠረ ተምሃራይ፡ ብውሕስና ወለዱ ከምዝተለቐቐ ፖሊስ ናይቲ ወረዳ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ወረዳ ሓውዜን፡ ጣብያ ሓየሎም ኣብ ዝበሃል ገጠር፡ ጓል ክልተ ዓመት ደፊሩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሓደ ውልቀሰብ፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልዎ ዝነበረ ዀይኑ፡ ቤት ፍርዲ ግን እቲ ጥርጡር ትሕቲ ዕድመ ምዃኑ ሪኡ፡ ብዋሕስ ክወጽእ ከምዝወሰነ ኣዛዚ ፖሊስ ናይታ ወረዳ፡ ኮማንደር ተኽላይ ገብረሩፋኤል ብስልኪ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ከምዝበሎ፡ በቲ ገበን ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ሆስፒታል ዓዲግራት ተመርሚሩ፤ ዕድሚኡ ካብ 14-15 ዓመት ዝርከብ ምዃኑ ስለዝገለጸ፡ ትሕቲ ዕድመ እዩ ብዝብል ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ወለዱ ክፍታሕን ብደገ ኾይኑ ጉዳዩ ክከታተልን ወሲኑ ኢሉ።
ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ እታ ህጻን ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበን ጾታዊ ዓምጽ ንምጽራይ፤ ፖሊስን ፍትሕን ብሓባር የጻርዮዎ ከምዘለዉ ድማ እቲ ኮማንደር ሓቢሩ።
ኮማንደር ተኽላይ፡ ዝርዝር ናይቲ ክሲ ብዝርዝር'ኳ እንተዘይገለጸ፡ ነቲ ገበን ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ተምሃራይ፡ ዕድሚኡ ብዝምልከት ፖሊስ ካብ ቤት ትምህርቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ ምሰቲ ካብ ሆስፒታል ዓዲግራት ዝረኸቦ ሓበሬታ ዘይሳነ ብምዃኑ ጥራጣረ ኣሕዲሩ እዩ ኢሉ።
ብምዃኑ ድማ፡ ፖሊስ ዕድመ እቲ ተምሃራይ ብትኽክል ንምፍላጥ፡ ናብ ላዕለዋይ ሆስፒታል ዓይደር ናብ መቐለ ወሲዱ ከጻሪ ኣድላዪ ዝበሃል መረዳእታ ጠርኒፉ ከምዝወደአን ከምዝተፈቐደሉን ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣብ መንጎ እቶም ስድራታት ዕርቂ ተፈጺሙ ዝብል ወረ ብዝምልከት ክዛረብ እንከሎ "እዚ ገበን ብዕርቂ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ ሕጊ ዝሓዞ እዩ፡ ብሕጊ እዩ ዝውዳእ" ኢሉ።
ናይታ ህጻን ወላዲ ኣቦ መጀመርታ ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓዳኛ ከምዘይነበረን፡ ብፖሊስ ተታሒዙ ዝረዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዝተገደደን'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
እታ ህጻን፡ ኣብ ሆስፒታል ዓዲግራት ሕክምና ተገይሩላ "ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት" ከምእትርከብ እቲ ኮማንደር ተዛሪቡ።
እንተኾነ፤ መጠን እቲ ዝበጽሓ ሃስያ ዝምልከት ፖሊስ 'ናይ ሕክምና ሪፖርት' ይጽበ ምህላዉ ተዛሪቡ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

