እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕጽዋን ተቓውሞታትን ዝተፈራረቐሉ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ዓለም
ሎሚ ግንቦት 1 መዓልቲ ሰራሕተኛታት'ዩ። ብሰንኪ ጸሊም ደበና ለበዳ ኮቪድ-19 ግን፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ብዝበለ'ዩ ተባዒሉ ውዒሉ።
ዓመት መጸ፡ እዚ ብዓል ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ንመሰላት ሰራሕተኛታት ንምድጋፍ ብዝግበር ዓበይቲ ተቓውሞታት'ዩ ዝጽምበል።
እንተኾነ ግን፡ ሎሚ ብሰንኪ ናይ ኮሮናቫይረስ መምርሒታት ኣካላዊ ምፍንታት፡ ኣዝዩ ብዝወሓደ ቁጽሪ'ዩ ክካየድ ተራእዩ።
ስለዚ ሰራሕተኛታት ዓለምን ደገፍቶምን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ጎደናታት ናይተን ዝሰርሑለን ከተማታት፡ ኣብ መሳዂቲ ተለቪዥናትን፡ ማሕበራዊ መራኸቢታትን'ዮም ኣብዒሎሞ ክበሃል ይከኣል።
ኣብ ከም በዓል ኣቴንስ (ግሪኽ)ን ኢስታንቡል (ቱርኪ)ን ግን፡ ገለ ሰራሕተኛታት፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ጓንቲን ጌሮም ነቲ ልሙድ ዓመታዊ ሰልፍታት ካብ ምክያድ ዓዲ ኣይወዓሉን።
ብሰንኪ ኣብ ዓለም ምሉእ ተኸሲቱ ዘሎ፡ ምድሳካል ኩሉ ዓይነት ቁጠባዊ ንጥፈታት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ከም ዘለዉ ጸብጻባት የረድኡ።
ቁጠባ ዓለም ናብ ቅልውላዉ እንተ ኣምሪሑ፡ ዝኸፍአ ሽቕለት-ኣልቦነት ክፍጠር ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ኤርትራ፡ 40 ሰራሕተኛታት ደም ብምልጋስ ከም ዘብዓልዎ፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ገለ ስራሕ ደው ዘበላ ትካላት'ውን ብመሰረት ዝወጽአ መምርሒ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮረና ቫይረስ ኮቪድ-19 ገና ንሰራሕተኛታተን መሃያኦም ይኸፍላ ኣለዋ" ኢሉ።
"ብዘይካ'ዚ ገለ ኣብ ስራሕ ዘለዋ ትካላት ንኣባላተን ዓይነታዊ ደገፋት ከበርክታ ይረኣያ ኣለዋ። እዚ ኣዝዩ ክምስገን ዝግብኦ ሰናይ ተግባር'ዩ።"
መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ዘየፍቅድ ብምዃኑ፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ኣትሒዙ ሰራሕተኛታት መሰላቶም ንምኽባር ተቓውሞታት ኣስሚዖም ኣይፈልጡን'ዮም።
ሃኮሰአ ንባዕሉ፡ ምስ መንግስቲ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ንሰራሕተኛታት ንፖሊሲ መንግስቲ ዝሕለቕ ማሕበር ምዃኑ ይንገረሉ።