ንክልተ ህጻናት ብኻራ ከም ዝቐተለ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

Published

ኣብ ለንደን ንክልተ ህጻናት ብኻራ ከም ዝቐተለ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቶም ህጻናት ብሰንበት ክርከቡ ከለው፡ እታ ጓል ሓደ ዓመት ህጻን ሞይታ ህይወታ ሓሊፉ ምንባሩ ተረጋጊጹ፤ እቲ ሰለስተ ዝዓመቱ ወዲ ግና ንሕክምናዊ ረድኤት እኳ እንተተወሰደ፡ ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ዓሪፉ።

ብካራ ተወጊኡ ብጽኑዕ ቆሲሉ ዝርከብ ወዲ 40 ዓመት ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ።

ንሱ ነቲ ቅትለት እቶም ህጻናት ከም ዝፈጸሞ ስለዝተጠርጠረ ኣብቲ ሆስፒታል ብፖሊስ ይሕለው ኣሎ።

እቶም ህጻናትን እቲ ሰብኣይን መቕርብ ምዃኖም ዝሓበረ ፖሊስ፡ ምስቲ ቅትለት ዝተሓሓዝ ካልእ ሰብ ክህሉ ከም ዘይክእል ሓቢሩ።

ኣዝማድ እቶም ቆልዑ ብዛዕባ ሞቶም ተረዲኦም፡ ኣዲኦም ሓገዛት ይግበረላ ከም ዘሎ ፖሊስ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ተዛሪቡ።

ኢንስፔክተር ቪክይ ታንስተለ "ቅትለት እዞም ንጹሃን ህጻናት ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፤ መበገሲ እዚ ኩነታት ንምፍላጥ ንጽዕር ኣሎና" ኢላ።

ንሳ ወሲኻ፡ "ብዛዕባ እዚ ገበን ኣብቲ ማሕበረሰብ ብዙሕ ወረ ይናፈስ ከም ዘሎ እፈልጥ እየ፤ እንተኾነ ግና ምስ'ዚ ቅትለት ብዝተኣሳሰር፡ ዝኾነ ካልእ ሰብ ነናድይ ከም ዘየሎና ከረጋግጸልኩም እፈትው። ስለዚ እቲ ማሕበረሰብ ስግኣት ክሓድሮ የብሉን" ኢላ።

ዝኸነ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ድማ ክሕብር ኣተሓሳሲባ።