ኣብ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 200,000 ሓሊፉ

Published

ከም ሓበሬታ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩንቨርሲቲ፡ ኣብ ዓለምና ዛጊድ ልዕሊ 202,800 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።

ብደረጃ ዓለም ብዝሒ በዚ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ሰባት ድማ ልዕሊ 2.8 ሚልዮን ኮይኑ'ሎ።

ኣብ ኣመሪካ ጥራይ በዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት፡ ልዕሊ 50 ሽሕ እዮም።

ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ዘጋጠመ ፈላማይ ሞት ብ 11 ጥሪ ኣብ ቻይና ዝተመዝገበ ክኸውን ከሎ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ኣብ 210 ሃገራትን ግዝኣታትን ብዙሕ ሞት እዩ ኣጋጢሙ።

ኣብዚ እዋን፡ ልዕሊ 20,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱወን ሓሙሽተ ሃገራት ኣለዋ። ንሳተን ድማ ኣመሪካ፣ ጣልያን፣ ስፔን፣ እንግሊዝን ፈረንሳይን እየን።

'ገና ይጅምር እዩ ዘሎ'

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ መዓልተት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሕማም ኣብ ኣፍሪቃ፣ ምብራቕ ኣውሮጳ፣ ማእከላይ ኣመሪካን ደቡብ ኣመሪካን ናይ ምውሳኽ ተርእዮታት የርእይ ከምዘሎ ገሊጹ እዩ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ከምዝበሎ፡ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ እቲ ለበዳ በቲ ዘለዎ ይቕጽል ወይ ድማ የንቆልቁል እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ግና ገና ይጅምር እዩ ዘሎ ኢሉ።

"ኣብ ገለ በቲ ለበዳ ቀዲመን ኣብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ድማ፡ በቲ ሕማም ናይ ዝልከፉ ሰባት ብዝሒ ክውስኽ ጀሚሩ'ሎ" እውን ኢሉ።ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ ሰባት እንተኾኑ እውን፡ ተመሊሶም በቲ ቫይረስ ናይ ዘይምጥቃዕ ውሕስና የብሎምን - ኢሉ።