ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ክሱስ ሓድሽ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ብዋሕስ ተፈቲሑ

Published

ትማሊ ብ15 ሽሕ ብር ብዋሕስ ክፍታሕ ቤት ፍርዲ ዝበየነሉ፡ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ሎሚ መዓልቲ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ብምኽንያት ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዝጸብጸቦ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ያየሰው ሽመልስ፡ ኣብ ትግራይ ቴሌቪዥን ኣብ ዘቕርቦ መደብ ንፌዴራል መንግስቲ ተሪሩ ብምንቃፍ እዩ ዝፍለጥ።

ብዝተፈላለዩ መንገድታት ምፍርራሓት ይበጽሕዎ ከምዝነበሩ ዝዛረብ እንትኸውን፡ ቅድም ክብል ብማእከል መረዳእታን ሓበሬታን ኢትዮጵያ መብርሂ ክህብ'ውን ተሓቲቱ ነይሩ።

'ሕዚ ዳሕና እየ'

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ብስልኪ ዘዘራረብናዮ ያየሰው ሽመልስ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠሙ ነገር እንተሎ ተሓቲቱ ካብ ምዝራብ እንተተቖጠበ'ኳ፡ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ገጢምዎ ከምዝነበረ ግን ገሊጹ።

"እዚ ሕማም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኮነን ጀሚሩኒ። ግን ገዲዱኒ ነይሩ። ሕቖይ ሓሚመ ነይረ" ይብል።

ቅድም ክብል ሕቖኡ ይቕንዞ ከምዝነበረን፡ መድሓኒት ይወስድ ከምዝነበረን ይዛረብ።

"መድሓኒት ይወስድ ነይረ ፡ ወዲአ እየ። ካብኡ ድማ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንሑቐ ዝምቹ ኣይኮነን። ቃንዛ ገዲዱኒ ነይሩ" ኢሉ።

"ሕዚ ግን ዳሕና እየ እግዚኣብሄር ይመስገን"።

ትሸዓንተ ግዘ ናብ መጋባኣያ ከምዝቐረበ ይዛረብ ጋዜጠኛ ያየሰው።

ካብ ዝእሰር ጀሚሮም፡ ዝሐተትዎ ብርክት ዝበሉ መሓዝቱን ጋዜጠኛታትን ድማ ኣመስጊኑ።

"ዳያኑ ዝቐረበሎም መካትዒ ነጥቢ ሒዞም ይብይኑ ነይሮም። ሰለስተ ግዘ ብዋሕስ ክወጽእ ፈቒዶምለይ። ኣብ ሳልሳይ ግዘ ወጺኣ ኣለኹ" ኢሉ።

እንታይ ይጽብጽብ ነይሩ?

እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብዚ ናይ ለውጢ እዋን፡ ብዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእኸላይ መንግስቲ ዝፍጽሞም ጉድለታት ብምቅላዕ እዩ ዝፍለጥ።

ንሱ ቅድም ክብል ዝሰርሐሉ ዝነበረ፡ ቴሌቪዥን ኢኤንኤን ምስቲ መንግስታዊ ለውጢ ተኣሳሲሩ ምዕጻዉ ስዒቡ፡ ኣብተን ኣብ ማእኸል ሃገር ዝርከባ ሚድያታት ክሰርሐሉ ዝኽእል ባይታ ስኢነ እዩ ዝብል።

ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መንግስታዊ ሚድያ፡ ትግራይ ቴሌቪዥን ኣየር ሰዓት ወሲዱ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ነቲ ክልል ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስትን፡ ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ዝቃደው ኣይኮኑን።

ብምዃኑ ድማ፡ ንሱ ነጻ ኾይኑ ሞያዊ ስርሑ ይሰርሕ ከምዘሎ እንተተዛረበ'ኳ፡ ብገለ ናታቶም ደጋፊ ተገይሩ እዩ ክረአ ጸኒሑ።

ኣብዚ ኢትዮፎረም ዝበሃል መደቡ፡ እቲ ንሱ ንቓለ መሓትት ዘቕርቦም ሰባት፡ መብዛሕተኦም ኣብታ ሃገር ኣሎ ዝበሃል ጥሕሰት ሕጊ፣ ኢድ ኣእታውነት ሕይልታት ወጻእን ዝነቕፉ እዮም።

ንሱ ባዕሉ፡ ኣብዚ መደብ ኮነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘቕርቦም ፖለቲካዊ ትንታነታት'ውን ከምኡ እዮም ዘንጸባርቑ።

ብማእኸላይ መንግስቲ ግን፡ ብጎቦ ዓይኒ ክረአ ከምዝጸንሐ፡ ሲፒጄ ንመሓዙት እቲ ጋዜጠኛ ጠቂሱ ጸብጺቡ እዩ።

እዚ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኻዊ ትካል፡ መንግስቲ ብዘይ ወዓል ሕደር ነቲ ጋዜጠኛ ክፈትሖ ክልተ ግዜ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ።

ፈላማይ ክሱስ ሓድሽ ኣዋጅ

ቤት ፍርዲ፡ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ደገ ኾይኑ ክሱ ክከታተል፡ ብዋሕስ ክፍታሕ ክልተ ግዜ እንተፈቐደ'ኳ፡ ግልጺ ብዘይኮነ ምኽንያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክደናጎ ከምዝተገብረ ጠበቓ ያየሰው፡ ኣይተ ታደለ ገ/መድህን ይዛረብ።

"ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ጽኑዕ እምነት እዩ ዘለና። እንተኾነ፡ ብዋሕስ ክፍታሕ እንትፍቀድ፡ ብደገ ኣብኡ ክደናጎ ዝተገበረሉ ምኽንያት ግልጺ ኣይኮነን" ኢሉ።

ብዋሕስ ናይ መንውጻእ መሰሉ ምኽልካል ልክዕ ኣይነበረን ይብል።

ቅድም ክብል፡ ብዋሕስ ክወጽእ ምስተፈቐዶ፡ ፌዴራል ፖሊስ ናይ ግብረ ሽበራ [ግብረ-ራዕዲ] ክሲ ኣቕሪብሉ ክፈንሕ ተገይሩ።

ሕዚ፡ ልደታ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ እዩ ነቲ ጋዜጠኛ ዋሕስ ፈቒድሉ ዘሎ።

እቲ ጋዜጠኛ፡ ናይዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝጸደቐ ኣካታዒ ሓድሽ ኣዋጅ 'ኣንጻር- ናይ ጽልኣት ዘረባን ዝንቡዕ ሓበሬታን" ፈላማይ ክሱስ ኮይኑ፡ ኣብ ደገ ኾይኑ ጉዳዩ ክከታተል እዩ።

ኣብ እዋን ዘበነ ኢህወዴግ፡ ብፍላይ ኣዋጅ ጸረ-ሽብር፡ ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝወጸ እንተኾነ'ኳ፡ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ውድባት ተቓውሞን ዝእሰርሉ ከምዝነበረ ብሰፊሑ ተነቒፉ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ነዚ ሓዊሱ ስግኣት ዝፈጥሩ ዝነበሩ ገለ ኣዋጃት፤ ቅድሚ ሓደ ዓመት ክኽለሱ ወይከኣ ክእለዩ ተገይሩ እዩ።

እንተኾነ፡ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ 'ናይ ጽልኣት ዘረባን ስኑዕ ሓበሬታን' እውን ንተመሳሳሊ ዕላማ ከይውዕል ስግኣታት ኣለዉ።

ብፍላይ፡ ዓለም ለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ተቓውሞን ብነጻነት ምጽሓፍን ጸጥ ንምባል ኣብ ተግባር ከይውዕል ስክፍተኦም ገሊጾም ነይሮም እዮም።