እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኢትዯጵያ ዳግም ምጅማሩ እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጃ።
ክልተን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሃይማኖታዊ፣ ፖለቲካዊ ወይ ካልእ ዓይነት ምትእኽኻባት፣ ናይ ኢድ ሰላምታ፣ ብዶባት ምውጻእን ምእታውን ዝተኸልከለ ምዃኑ ዝገልጹ እዚ 22 ነጥብታት ዝሓዘ ዝርዝር ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ፡ "ዝኾነ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ዝህብ መኪና ልዕሊ ፍርቂ እቲ ዝሕዞ ወንበር ምጽዓን ክልኩል እዩ" ይብል።
በዚ መሰረት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ካብን ናብን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ዝቋረጽ እኳ እንተዘይገበረ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ግን ሚኒስቴር መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ክቋረጽ ገይሩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ትማሊ ነቲ ውሳንኡ ብምልዓል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተቛሪፁ ዝነበረ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ዳግም ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህቡ ተሽከርከርቲ ፅሬቶም ብምሕላው ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝጽዕንዎ ብዝሒ ተሳፈርቲ 50 ሚኢታዊት ብምንካይ ኣገልግሎት ከም ዝህቡ'ውን ይገልጽ።
ብኣንጻሩ፡ ካብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ብዝተፈለየ ናይ ባዕሉ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጁ ዝንቀሳቐስ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ፡ ንዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝጸንሕ ኣዋጅ ካብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ብመኪና ይኹን ነፋሪት ዝመጽኡ ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ክውሸቡ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ድማ ካብን ናብን ከተማን ገጠርን ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከም ዘይህሉ ገይሩ እዩ።
ንፍቓድ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ፌደራል ዝቃወም ኣባል ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳኮሮናቫይረስ ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ እቲ ውሳነ ምውሳን እቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ለበዳ ከየጋድዶ ከም ዝሰግእ ተዛሪቡ።
ብዙሕ ሰብ ማሕበረ ቑጠባዊ ምንቅስቓሳቱ ንከሳልጥ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝርከብ እኳ እንተኾነ ናብቲ ክልል ኣትዩ ተወሺቡ ኣብ ዝጸንሐሎም መዓልታት ዘለው ወጻኢታቱ ዓርሱ ክሽፍን እዩ ዘገድድ።
"ሕጂ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝግበር ዘሎ መርመራ ኮሮናቫይረስ ይውሓድ ይብዛሕ መዓልታዊ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ይርከቡ ኣለው። ኣብቲ ሕብረሰተብ ዘሎ ደረጃ ምስፍሕፋሕ ንምፍላጥ'ውን እኹል ምርመራ ኣይተግበረን፤ እቲ ሕማም ድማ ኣብ ዝኾነ ሰብ ክህሉ ከም ዝኽእል ትግምት፤ ስለዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝብገስ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምፍቃድ እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ክልላት ክመሓላለፍ ይኽእል'ዩ" ይብል።
ኣብ ዝኾነ እዋን ከም መንግስቲ ማሕበረ ቑጠባዊ ምንቅስቓሳት ክትግድብን ክትዓጹን ዝኸብድ እኳ እንተኾነ፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ክተወስዶ ዝግብኣካ ኣማራጺ ሓላፍነት ዝተመልኦ ክኸውን ኣለዎ" ዝብል ኣቶ ኣማኑኤል፡ ግዝኡ ዝሓለወ ውሳነ ኣይኮነን ክብል ይነቕፎ
"ኣብ ሞንጎ ምሕማምን ምጥማይን ህዝቢ ኣብ ኢድካ ክወድቕ ከሎ፡ ካብቶም ክልተ ዝኸፍኡ እቲ ሓደ ዝሐሸ ክትመርጽ ይግብኣካ። ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሕማም ተኸሲቱ ኣሎ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ብደረጃ ፌደራል ኣገልግሎት መጓዓዝያ ደው ክብል ተወሲኑ ነይሩ። ነዚ ምኽንያት ዝኾነ ሕማም ድማ ሕጂ'ውን ስግኣት'ዩ። ዝተቐየረ ነገር የለን" ኢሉ።
ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ማእኸል ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዮም ኣብ ዝበልኦም ከባብታተን፡ ካብን ናብን መገሻታት ብምዕፃው እቲ ቫይረስ ዝላብዐሉ ናህሪ ክንቆጻጸር የኽእለና'ዩ ዝበልኦም ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ።
ትማሊ ክሳብ ዝነበረ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 92 በጺሑ ኣሎ።
መዓልታዊ ቑጽሪ ግዳያት ኣብ ዝውስኸሉን እዋን፡ ህዝቢ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክጓዓዝ ምፍቃድ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክላባዕ፣ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ንክውስኽ ምኽንያት ኣይኸውንን'ዶ ዝበልናዮ ንዳይሬክተር በዓልመዚ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣብዲሳ ያደታ፡ ከምኡ ዓይነት ገምጋም ከም ዘይብሎም ገሊጹ።
"ህዝቢ ነዚ መጺኡ ዘሎ ሃገር ዘዕኑ ሓደጋ ምስ መንግስቲ ብሓባር ዝከላኸለሉ ኩነታት እዩ ክህሉ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተርኣየ'ውን ከምኡ'ዩ። ኣብ ሞንጎ ከተማታት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ስለ ዝተፈቐደ ኮሮናቫይረስ ክላባዕ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ድማ ምኽኑይ ኣይኮነን፤ ከም ቢሮ'ውን እምነትና እዚ እዩ" ዝብል መልሲ ሂቡ።
ኣብ ክሊ እቲ ሃገራዊ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ፡ ተወሳኺ ናይ ባዕሉ ኣዋጅ ደንጊጉ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዘፈጽም ዘሎ ሓይሊ ዕማም ትግራይ፡ ብሕጂ ህዝቢ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ክፈቅድ ድዩ? ኣቶ ኣማኑኤል ነዚ ምላሽ ኣለዎ።
"ንሕና ካብ ዝኾነ ከባቢ ዝመጽአ ጋሻ ተቐቢልና ን14 መዓልታት ክንውሽቦ ኢና፤ እዚ ምስ ወድአ ንኣብነት ጉዕዝኡ ናብ ዓዲ ግራት እንተኾይኑ ድማ ሕጂ'ውን ኣይንሰዶን። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ክልል ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ኣይፍቀድን" ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ዩኒቨርስታት መቐለ፣ ዓድግራትን ኣኽሱምን ናይ መወሸቢ ቦታታት ዝተዳለው ኮይኖም፡ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረሰተብ እቲ ክልል፡ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት ዝሕከሙሎም ማእከላት እውን ብምድላው እኹል ናይ ምምርማር ዓቕሚ ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ብመሰረት ዝህቦ ዘሎ ሓበሬታ ድማ ኣብ ትግራይ ዛጊድ ዋላ ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ የለን።