ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኣባላት ሃንደሳ ኣልሸባብ ከምዝደምሰሰ ገሊጹ

ሓይሊ ኣየር

ምንጪ ስእሊ, Tech. Sgt. Cecilio M. Ricardo Jr

Published

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ኣባላት ሃንደሳ ኣልሸባብ ብዘገበሮ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ብዙሓት ከመዝቐተለ ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ።

እዚ ሓይሊ ኣየር፡ ኣብ ሶማልያ ካርቲሌን ህርኩትን ኣብ ዝብሃል ቦታ ደብዳብ ከምዘካየደ ብምግላጽ፡ ኣብ ምብራቓዊ እዚ ሓይሊ ኣየር ምክትል ኣዛዚ ኮሮኔል ሃብሮም ዘነበ "17 ኣባላት ሃንደሳ ኣልሸባብ ምሉእ ንምሉእ ተደምሲሶም " ኢሉ።

እቲ ምክልኻል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣባላት ሃንደሳ ኣልሸባብ፡ ካብ ደሎ ተበጊሱ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማልያ ዝነቀሳቀስ ዘንበረ ቃፍላይ ሰራዊት ናይ ኢትዮጵያ ድብያ ንምክያድ ኣብ ምድላው እንከለዉ ከም ዝተደብደቡ ይገልጽ።

ኣብ ሓይሊ ኣየር ኣዛዚ ጨንፈር ልፍሊ ተዋጋእቲ ሄሊኮፕተራት ሻለቃ ደረስ እንዳለ፡ እቶም ክፍሊ ሃንደሳ ኣልሸባብ፡ ኣብቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘለዎ ቦታ ብርክት ዘበለ ፈንጂ ናይ ተሽከርከርቲ ኣብ ብምቕባር ምድላዋት ይገብር ከምዝነበረ ገሊጹ።

ኣልሸባብ ብዛዕባ እቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ፈጺመዮ ዝበሎ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዝኮነ መግለጺ ኣይሃበን ዘሎ።

ሰራዊት ኢትዮጳያ ነቲ 'ሕሊፍ ኣስላማዊ ጉጅለ' ዝብሎ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ኣብ ሶማልያ ሰራዊቱ ካብ ዘእቱ ልዕሊ 10 ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝድገፍ መንግስቲ ሶማልያ ንምሕጋዝ ምስ ሰራዊት ካልኦት ሃገራት ኣብ ሶማልያ ይርከብ።